ዋሽንግተን —
ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ ጻንሖቶ፡ ነቲ ነዊሕ ከከራኽር ዝጸንሐ እማመ፡ ብሓካይም ተሓጊዝካ ምማት ኣጽዲቑ። እዚ ሎሚ ዝሓለፈ እማመ፡ ሕዱር ሕማምን ከቢድ ስቓይን ዘለዎ ሕሙማን፡ ንሞት ከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝተርፎም’ሞ ብሓኪም ምስ ዝረጋገጽን፡ ብመድሃኒት ተሓጊዞም ሞቶም ንኸቀላጥፉ ዘኽእል’ዩ።
እዚ ናብ ሕጊ እንተ ጸዲቑ ኣብ ብሪጣንያን ዌልስን ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።
እዚ ኣርእስቲ ብዓይኒ ስነ-ምግባር ነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐ’ዩ። ፓርላማ ነዚ ንድፊ ድሕሪ ምሕላፉ ናብ ሕጊ ክጸድቕ ተወሳኺ መስርሓት ክህልዎ’ዩ። እንተዀነ ክንድቲ ዝኣክል መሰናኽል ክገጥሞ ከም ዘይክእል ይእመን።
ነዚ እማመ ዝጣበቑ፡ መቕርቦም ካብ ተወሳኺ ቃንዛን ስቓይን ንምድሓን ዘኽእል ኢሎም ይምጉቱ። ተቓወምቱ ግን ንሓያሎ ቀልጢፎም ተስፋ ከም ዝቖርጹን ንኽሞቱ ድማ ድፍኢት ክግበሩን ከም ዝሕግዝ ይኣም።
ቅጥዒ