ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ቀ/ሚንስተር ብሪጣንያ ብዝቐረበሎም ክሲ መዝነቶም ለቒቆም


ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ያ ዶምኒኪ ራብ
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ያ ዶምኒኪ ራብ

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ያ ዶምኒኪ ራብ ንስቪል ሰራሕተኛታት ድሂሎም ንዝብል መረረ ነፃ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ ስልጣኖም ለቒቖም። እቲ ውሳነ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሚንስተር ሪሽ ሱናክ ዝቐረበ ሸሞንተ መረረታት ብዝምልከት ስሩዕ ምፅራይ ድሕሪ ምክያዱ እዩ። መዝነት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓዊሱ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃዙዎም ስልጣናት ንሰራሕተኛታት ይሃስዩ ምንባሮም ኣብቲ ምፅራይ ተረጋጊፁ ኣሎ። ንሶም ንዝቐረበሎም ክስታት ነፂጎምዎም ኣለው። ክልተ ካብቶም መርመራታት ክፀንዑ ከምዝተገብረ ብምሕባር ነቲ መርመራ ጉድለት ዘለዎ እዩ ክብሉ ነቒፎም ኣለው።

እቲ ምድንዳን ኣብ ዝግበር መርመራ ሓቂ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ስልጣነይ ክሓድግ እየ ኢለ ብዝኣተኹዎ ቃል እየ ዝወርድ ዘለኹ እውን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG