ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ፡ ዓብላሊ ድምጺ ዝነበሮ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ኣይተዓወተን


ወሃብቲ ድምጺ ብሪጣንያ ንቀዳማይቲ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ተሪሳ ሜይን ገዛኢ ኮንሰርቫቲቭ ፓርተንን ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውፃእ ልዝብ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዝፀውዕኦ ምርጫ ዓብዪ ዕንቅፋት ፈጢሮምሎም ኣለው።ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ብሪጣንያ ኣዚዩ ወሳኒ ነይሩ ዝተባህለ ምርጫ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ዝሓለንኦ ድምፂ ከይረኸባ ተሪፈን፤ቀንዲ ተቓዋሚ ሌበር ፓርቲ ድማ ሓይሉ ወፂኹ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ተሪሳ ሜይ ሎሚ ዓርቢ ሓድሽ መንግስቲ ንምጥያሽ ካብ ንግስቲ ኤልሳቤት ብወግዒ ፍቓድ ንምሕታት ኣብ ቤተ መንግስቲ በኪንግሃም ተራኺበን።

ቀ/ሚኒስትር ሜይ ኣቐዲሙ ምርጫ ክካየድ ዝተፃወትኦ ቁማር ኣይተዓወተን ጥራሕ ዘይኮነስ ፓርተን ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ ዓብላሊ ድምፂ ስኢኑ’ሎ።

ኣብ ፓርላማ ዝነበረን ዓብላሊ ድምፂ ንምዕባይን ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውፃእ ኣብዝካየድ ልዝብ ሓይሊ ንምውሳኽን ብምሕላን ብሰለስተ ዓመታት ኣቐዲመን ኣብ ዝፀውዕኦ ምርጫ ሚኒስትር ሜይ ዘሕፍር ውፅኢት ረኺበን ኣለዋ።

ሚኒስትር ሜይ ምስተን ንግስቲ ድሕሪ ምርኻበን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ ቃል ኣብ መንጎ ፓርተንን ናይ ሰሜን ኣየርላንድ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ፓርቲን ጥምረት ብምፍጣር ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኮይነን ንምቕፃል ዘለወን ትልሚ ገሊፀን ኣለዋ።

“ከም ሃገር ብሓባር ሓይልና ብምሕያል፣ኣብዛ ሃገር ንዝርከብ ኩሉ ሰብ ዝሰርሕ፣ኣብ ነዊሕ ምስ ሕብረት ኣወሮጳ ብሓባርን ብምሕዝነትን ንምብልፃግ መረጋገፂ ዝኾነልና ዕዉት ስምምዕ ብረክሲት(ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ምውፃእ ውዕል ማለት እዩ)ንምኽያድ ዘፍቅደልና እዩ። ኣብዝሓለፈ ሰነ ህዝቢ ነዚ እዩ ኣድሚፁ፤እዚ ኢና ነፈፅም።ሕጂ ናብ ስራሕ ንእተው።”

ምርጫ ክካየድ ክፅውዓ ከለዋ ኮንሰርቫቲቭ ፓርተን ብኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ብሰፊሕ ይመርሕ ነይሩ።ኣብ ከይዲ ወፍሪ ግን እናተሸርሸረ መፂኡ።

ብተነፃፃሪ ድምፂ ክረኽቡ ዕድል ኣይነበሮም ተባሂሎም ዝነበሩ መራሒ ሌበር ፓርቲ ጀረሚ ኮርቢን ብዘደንቕ ኣገባብ ሓያል ወፍሪ ኣካይዶም።መናእሰይ ብበዝሒ ንሌበር ፓርቲ ድምፆም ሂቦም ኣለው።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሜይ ካብ ስልጣነን ክወርዳ ካብ ሌበር ፓርቲን መራሕቲ ሳልሳይ ፓርትታትን ከምኡ እውን ገለ ዓቃባዊያንን ፃውዒት ሓይሉ’ሎ።መራሒ ሌበር ፓርቲ ጀረሚ ኮርቢን ነታ ሃገር ንምግልጋል ድልዊ ምዃኖም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብሪጣንያ፡ ዓብላሊ ድምጺ ዝነበሮ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ኣይተዓወተን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

XS
SM
MD
LG