ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም ረድኤት ብሪጣንያ ሃዋርድ ተይለር። እቲ ውሳነ ኣብ ጠለብን እታ ሃገር ኣብ ትገብሮ ዘላ ዓበይቲ ስዳሮታትን ዝተመርኮሰ`ዩ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ቐዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ፡ ኤክኖሚ ሃገሮም ብ10 ሚእታዊ ይዓቢ`ሎ ይብሉ፡ ኣህጉራውያን ለገስቲ ግና ንኣደማምራ`ቲ ቑጽሪ ብዝምልከት ጥርጣረ ኣለዎም። ሃዋርድ ተይለር እቲ ቑጽሪ ዘካትዕ`ኳ እንተኾነ ዕብየት ከምዘሎ ግና ዘካትዕ ኣይኮነን ይብሉ።”ትኽክለኛነት`ቲ ዳታ ኣካታዒ`ዩ፡ ንሕና ንባዕልና ምስ መሻርኽትናን ምስ`ቲ መንግስትን ብዛዕባ ገለ ካብቲ ኣሃዝ ንዘራረበሉ ኢና”
ሃዋርድ ተይለር ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ናይ 2005 ምርጫ፡ ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ረድኤት ከምዝነከየ ርግጽ`ዩ፡ ኣብ ጸረ-መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ቕትለት ንለገስቲ ሃገራት ኣተሓሳሲብዎም`ዩ ኢሎም።
ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲን ሕቡራት ሃገራትን ዝወጸ ዝርዝር ድኻ ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ኒጀር ኻብ ዓለም ዝደኸየት ሃገር ኢሉ ሰሪዕዋ`ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝዓለመ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውጥን ኣውጺኡ ኸምዘሎ ይፍለጥ።