ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ትህቦ ረድኤት ይውስኽ


ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝመጽእ 4ተ ዓመታት ካብ ትህቦ ልምዓታዊ ረድኤት ዝበዝሐ ትረክብ ኢትዮጵያ ምዃና ኣፍሊጣ`ላ-2ተ ቢልዮን ዶላር

ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም ረድኤት ብሪጣንያ ሃዋርድ ተይለር። እቲ ውሳነ ኣብ ጠለብን እታ ሃገር ኣብ ትገብሮ ዘላ ዓበይቲ ስዳሮታትን ዝተመርኮሰ`ዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ቐዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ፡ ኤክኖሚ ሃገሮም ብ10 ሚእታዊ ይዓቢ`ሎ ይብሉ፡ ኣህጉራውያን ለገስቲ ግና ንኣደማምራ`ቲ ቑጽሪ ብዝምልከት ጥርጣረ ኣለዎም። ሃዋርድ ተይለር እቲ ቑጽሪ ዘካትዕ`ኳ እንተኾነ ዕብየት ከምዘሎ ግና ዘካትዕ ኣይኮነን ይብሉ።”ትኽክለኛነት`ቲ ዳታ ኣካታዒ`ዩ፡ ንሕና ንባዕልና ምስ መሻርኽትናን ምስ`ቲ መንግስትን ብዛዕባ ገለ ካብቲ ኣሃዝ ንዘራረበሉ ኢና”

ሃዋርድ ተይለር ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ናይ 2005 ምርጫ፡ ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ረድኤት ከምዝነከየ ርግጽ`ዩ፡ ኣብ ጸረ-መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ቕትለት ንለገስቲ ሃገራት ኣተሓሳሲብዎም`ዩ ኢሎም።

ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲን ሕቡራት ሃገራትን ዝወጸ ዝርዝር ድኻ ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ኒጀር ኻብ ዓለም ዝደኸየት ሃገር ኢሉ ሰሪዕዋ`ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝዓለመ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውጥን ኣውጺኡ ኸምዘሎ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG