ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ዳግመ-ሕውየት ዩክሬን፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ተወሳኺ ሓገዝ ይማባጽዓ


ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሚየር ዘለንስኪ፡ “ንዩክሬን ምሕጋዝ ማለት ንደሞክራሲ፡ ርግኣት፡ ዕድላትን ምክልኻል ማለት’ዩ፡” ክብሉ ኣብቲ ንዳግመ-ሕውየት ዩክሬን ዓሊሙ ኣብ ለንዶን ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ተዛሪቦም።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ዘእንግደኦ ዘለዋ ዋዕላ፡ መራሕቲ 60 ሃገራትን ብሕታውያን ኣወፈርቲን ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ፡ ሃገሮም ብመገዲ ባንክ ዓለም ዝወሃብ ልቓሕ፡ ንዩክሬን ዝባጻሕ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ተመባጺዖም። እቲ ልቓሕ ኣብ ስራሓት ትሕተ-ቅርጺ፡ ብቐንዱ ድማ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርቲን ዝውዕል’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ሃገሮም ተወሳኺ 1.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምዃና ቃል ኣትዮም። እቲ ብኣመሪካ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብ ሓይሊ ጸዓት፡ ስራሓት ጽርግያ፡ ወደባትን ምድንፋዕ ጽላት ወፍሪን ዝውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG