ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዝ ኣብ ሞቃዲሾ ኤምባሲ ከፊታ


William Hague
William Hague
ምንስትር ወፃኢ እንግሊዝ ዊልያም ሄግ፣ኣብ ሞቃዲሾ ኤምባሲ እንግሊዝ ዳግም ንክኸፍቱ ሎሚ ናብ ሞቃዲሾ ኣትዮም።እዚ ስጉምቲ‘ዚ እንግሊዝ ድሕሪ 22 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኤምባሲኣ ኣቀዲማ ዝኸፈተት ምዕራባዊት ሃገር ገይሩዋ‘ሎ።

ዊልያም ሄግ፣ሞቃዲሾ ኣብ ዝተሰርሐ ሓድሽ ኤምባሲ ንዝተካየደ ስነ ስርዓት ምንብልባል ባንዴራ እንግሊዝ ተመልኪቶም።

”ኩነታት ፀጥታ ምስ ዘፍቀደልና፣ንኤምባሲና ክንከፍት ኢና ኢለ ነይረ።ሎሚ ነዚ ኤምባሲ‘ዚ ምኽፋትና፣ብዛዕባ መፃኢ ኩነታት ምትእምማን ከምዘሎ ዝሕብር‘ዩ”ኢሎም።

ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ሞቃዲሾ ምኽፋቱ፣ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ፣ነታ ከተማ ካብ ጥቅዓት ኣል-ሸባብ ብዘተኣማምን ከምዝተኸላከለላ ሓባሪ‘ውን‘ዩ።

እንተኾነ ዘቅስን ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ።ዝሓለፈ ቅነ‘ኳ፣ኣል-ሸባብ ኣብ ጥቃ ቤት ፍርዲ ሞቃዲሾ መጥቃዕቲ ፈንዩ ንብርክት ዝበሉ ኣቁሲሉን ቀቲሉን‘ዩ።

ሓድሽ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ሶማልያ፣ኣብ ውሽጢ ክሊ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ’ዩ ዝርከብ።ጊዚያዊ ከምዝኾነ‘ውን ሚስተር ሄግ ገሊፆም‘ለው።

እንግሊዝ ኣብ ሶማልያ ዝመደበቶም ኣምባሳደር ማት ቦው ይባሃሉ።ኣብ ናይሮቢ ኮይኖም ዝሰርሑ‘ውን‘ዮም።እቲ ኤምባሲ ሙሉእ ስርሑ ምስተፈፀመ እንግሊዝ፣ሓድሽ ኣምባሳደር ክትልእኽ‘ያ።

ቱርክይ፣ኢራንን ኢትዮዽያን ዛጊድ ኣብ ሞቃዲሾ ኤምባሲታተን ከፊተን‘የን።
XS
SM
MD
LG