ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ፡ መራሕቲ ብሪጣንያ፡ጀርመንን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ሩስያ ሰላሊ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምምራዝ ኮኒኖም


መራሕቲ ብሪጣንያ፣ፈረንሳይ፣ጀርመንን ኣሜሪካን ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ናይ ሩሲያ ሰላሊ ዝነበረ ዝተፈፀመ ናይ ምምራዝ መጥቓዕቲ ሞስኮ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝፈፀመቶ ፈላማይ መጥቓዕቲ እዩ ክብሉ ብሓባር ኮኒኖምዎ።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሪሳ ሜይ፣ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማርኮን፣ቻንስለር ኣንጌላ መርኬልን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ሩሲያ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዘይምስታፋ ዘእምን መብርሂ ኣይሃበትን ድሕሪ ምባሎም ‘”ሩሲያ ምስዚ መጥቓዕቲ ዝተኣሳሰሩ ኩሎም ሕቶታት ክትምልስ ንፅውዕ’’ክብሉ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ፀኒሖም ኣብ ዋይት ሃውስ ከምዝበሉዎ ብርግፅ ሩሲያዊያን ተሓተቲ ይመስሉ ኣለው።

ሩሲያ ዝኾነ ይኹን ተሳተፎ ኣይገበርኩ ክትብ ነፂጋቶ’ላ።

ናይ ሩስያ ሰላሊ ዝነበሩ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሎም ዩሊያን ኣብ ናይ እንግሊዝ ከተማ ሳልስበሪ ኣብ መዘናግዒ ፓርክ ኣብ ወንበር ሓለዋቶም ስሕቲቶም ምስተረኽቡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ይርከቡ።ሓደ ፖሊስ ሓዊሱ ካልኦት ሰባት እውን ምሕማሞም ተገሊፁ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣኒያ ሜይ ነቲ ናይ ምምራዝ መጥቓዕቲ ሕነ እቶም ካብ ብሪጣንያ ዝተሰጎጉ 23 ዲፕሎማሰኛታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ወግዓዊ ገይረን ኣለዋ። ካብ 1971 ዓ.ም ጀሚሩ እዚ ዝዓበየ ብዝሒ ዝተሰጎጉ ዲፕሎማት ምኳኖም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG