ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ 125-ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ፋይል - ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ዝተወስደ
ፋይል - ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ዝተወስደ

ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት፤ ደርቂን ድኹም ኩነታት ኣዝመራን ዝፈጠሮ ስግኣት ሰብኣዊ ዕንወት ዝውዕል 125-ሚልዮን ዶላር ሓድሽ ሓገዝ ከምትህብ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጣ።

ሰበ-ስልጣን ኲናት ዝሃሰዮ ክልል ትግራይ እቲ ክልል ኣብ ድርኩኺት ጥምየት ምህላዉ ኣጠንቂቆም እዮም። እቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናት ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ምሟቶምን ከባቢ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2022 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝግበር ንደሓር እውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጎንጽታት ተወሊዑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት(ኦቻ) ኣብ ሰሜናዊ ደቡባዊን ደቡብ ምብራቅን ኢትዮጵያ ኩነታት ደርቂ ክጋደድ ከምዝኽእል ምጥንቃቑ ይዝከር።

ብሪጣንያ ካብዚ ሓድሽ እትህቦ ረድኤት ደቂ-ኣንስትዮንን ቆልዑን ሓዊሱ 3-ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ረድኤት ከምዝበጽሖምን ንክልል ትግራይ እውን ተወሳኺ ደገፍ ከም ዝግበር ኣፍሊጣ'ላ።

ብካልእ ወገን ሚኒስተር ልምዓትን ጉዳይ ኣፍሪቃን ብሪጣንያ ኣንድሪው ሚቸል ኣብ ኢትዮጵያ ክገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዛዘሞም'ለዉ። እቲ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ከቢድ እዩ ብምባል ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓገዝ ክወሃብ ምምሕጻኖም'ውን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG