ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ቁጽሪ ብተነጽሎ ዝነብሩ ንምምሕያሽ ብደረጃ ሚኒስትር መንግስታዊ ኣካል ኣቚማ


ብሪጣንያ ቁጽሪ ብብሕትውና ተበሊዖምን ካብ ማሕበራዊ ህይወት ተነጺሎምን ዝነብሩ ብሪጣንያውያን ናብ ኣሻቓሊ ደረጃ ብምውሳኹ: እታ ሃገር ጉዳዮም ዝከታተል መንግስታዊ ኣካል ብደረጃ ሚኒስተር ኣቚማ።

ትረሲ ክሮውች ዝተባህለ ሚኒስተር ስፖርታዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ነቲ ብደረጃ ሚኒስተር ዝቖመ መንግስታዊ ትካል ደሪባ ከተመሓድሮ ምዃና ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረዛ መይ "ንብዙሓት ባሕታዊ መንባብሮ ዘሕዝን ኩነተ-መነባብሮ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመናዊ ህይወት ኮይኑ'ሎ " ክብላ ሓቢረን። ንሰን ብተወሳኺ ነዚ ኣብ ሓያሎ ኣረጋውያን ዝርአ ሓቂዚ ንምምሕያሽ ተበጊሰን ምህላወን ድማ ኣፍሊጠን።

ጸብጻብ ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 9 ሚልዮን ካብ 65.6 ሚልዮን ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢታ ሃገር ብብሕትውና ዝነብሩ ምዃኖም'ዩ ዝገልጽ።

ካልእ መንግስታዊ ጸብጻብ ድማ: ልዕሊ 75 ዝዕድመኦም ብሪጣንያውያን ብብሕትውና ይነብሩ ይብል። ካብታቶም ኣስታት 200 ሽሕ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ምስ ዝኾነ ሰብ ተዛሪቦም ከምዘይፈልጡ ይጠቅስ።

ሚኒስተር ጉዳያት ስፖርት ትረሲ ክሮች: "ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሸነኻቱ ከይተረፈ ኣብ ሰባት ዝርአ ጽልዋ ማሕበራዊ ተነጽሎ ንፈልጦ ኢና። ከምኡ ስለዝኾነ ድማዩ ነዚ ንምብዳህ ተበጊስና ዘለና "ድማ ኢለን።

ሓደ ካብ 10 ብሪጣንያዉያን ብማሕበራዊ ተነጽሎ ከምዝጥቅዑ ጸብጻብ የመልክት።

XS
SM
MD
LG