ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ዓቀብቲ ሰላም ክተዋፍር'ያ ኢሎም ዴ. ካምርን


ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስትታን ኣብ ሱማሊያን ሱዳንን ንዝገብሩዎ ፃዕርታት ዝሕግዙ 370 ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ከምትልእኽ ዝገለፁ ናይ ብሪታኒያ ቀዳማይ ምንስቴር ዴቪድ ካምረን ብዛዕባ እቲ ትልሚ ብዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስትታ ባን ኪ-ሙንን ብፕሬዝዳንት ኦባማን ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ኣብ ዝተኣናገድ ኮንፈረንስ ክእውጁ እዮም።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝተዋፈሩ 125 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ተወሳኺ ወታደራት ንምውፋይ መራሕቲ 50 ሃገራት ኣብቲ ኮንፈረንስ ክሳተፉ እዮም።

እቲ ትልሚ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ዕላዊ ዝገበሩ ካምረን 70 ወታደራዊ ሰራሕተኛታት ናብ ሱማሊያ ክልኣኹ እዮም።ንተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መዳያት ሕክምና፣ምህንድስናን ሎጂስቲክስን ሓገዝ ከክህቡ እዮም።ብሪታኒያ ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ 300 ዝኾኑ ወታደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ክትልእኽ እያ፤እቶም ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ምህንድስና ሓገዝ ክህቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG