ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ጀነራል ናብ ዝላዓለ መዝነት ዕቀባ ሰላም ሕ/መ ተሾይመን


ብርጋዴር ጄነራል ዘውዱ ኪሮስ
ብርጋዴር ጄነራል ዘውዱ ኪሮስ

ኢትዮጵያዊት ብርጋዴር ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ገብረኪዳን፣ ምክትል ኣዛዚት ዓቃቢ ሰላም ሕ/ሃ ኣብ ኣብዪ- ሱዳን ኮይነን ከምዝተሾማ ተፈሊጡ።

ንሰን ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኒውዮርክ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕ/መ መገሻ ኣብ ዝፈጸማሉ እዋን ምስ ትካል ዜና ሕ/ሃ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መጠይቅ ‘በቲ ሹመት ኣዝየ ሕጉስቲ’የ። ምኽንያቱ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰራዊት ኣብ ስራሕቲ ሕ/ሃን ትሑት ስለዝነበረ’ ኢለን።

ኣብ እዋን ሓላፍነተን ቀዳምነት ዝረክብ ‘ሓለዋ ሲቪላት ከምዝኾን’ውን’ ብርጋዴር ጀነራል ዘውዱ ጠቂሰን።

ኣብ ኣብዪ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብድሆ ክኾኑ’ዮም ኢለን ዝገለጸኦ ‘ፖለቲካዊ ገስጋስ ዘይምህላው፣ ንወፍሪን ሎጂስቲክስን ከምኡውን ጸጥታዊ ጸገማትን ትሕተ ቅርጽን ዝጥቀሱ ምኻኑ’ውን’ እተን ጀነራል ንትካል ዜና ሕ/ሃ ገሊጸን።

ንሰን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ሰላሳ ዓመት ተመክሮ ከምዝጸንሐን’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG