ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ቻይና ሓደሽቲ ዕዳጋታትን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራትን ብሓባር ንዓለምለኸ ዕብየት ቁጠባ ክሰርሓ ጸዊዖም


ፕረዝደንት ቻይና ኣብ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ- ቻይና
ፕረዝደንት ቻይና ኣብ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ- ቻይና

ፕረዝደንት ቻይና ዢ ፒያንግ ሓደሽቲ ዕዳጋታትን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራትን ብሓባር ብምኳን ንዝሓሸ ምዕባለን ዝዓበየ አበርኽቶ ኣብ ዓለምለኸ ዕብየት ቁጠባ ክሰርሓ ጸዊዖም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ብሪክስ ዝፍለጣ ሃገራት ብራዚል፡ሩስያ፡ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ቻይና ኣብ ዘኻየደዎ ዋዕላ ኾይኑ ብሓባር ብሓያል ድርኺት ኣብ ምዕሟቕ ምትሕብባር ሃገራት ደቡብን ኣብ ምትግባር ናይ 2030 ዓ.ም ኣጀንዳ ውሑስ ምዕባለን ዝዓለመ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብቲ ካብ 3 መስከረም ክሳብ 5, 2017 ዓ.ም ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ መደረ ዘስምዑ ፕረዝደንት ቻይና ንናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ውሳነ ካብ ስምምዕ ክሊማ ምውጻዕ ብዝምልከት ሃገራት ኣብ ንግዲ ጥራይ ትኹረት ብምሃብ ንለውጢ ክሊማ ምብዳህ ብምቅዋሞም ቁጠባ ዓለም ቀጻሊ ብድሆታትን ዘይርግጹነትን ይገጥሞ ኣሎ ክብሉ ኣጠንቂቆም።

ፕረዝደንት ዢ ን ሜሪካ እንተዘይጠቀሱ እኳ ፕረዝደንት ትራምፕ ስምምዕ ንግዲ ንናይ ኣሜሪካ ናይ ስራሕ ዕድል ስግኣት ዝፈጥሩ እዮም ብምባል ንኣሜሪካ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ምውጻእ ምውሳኖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG