ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ መዓልቲ ዋዕላ ደምበ ብሪክስ -- ቍጠባ፡ እገዳን ምዕራብን ኲናትን


ኣኼባ ሃገራት ደምበ ብሪክስ
ኣኼባ ሃገራት ደምበ ብሪክስ

ኣኼባ ደምበ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ካዛን ሩስያ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ ረቡዕ መደብ፡ መራሕቲ በበይነን ኣባላት ሃገራት መደረ ኣስሚዖም ኣለዉ።

ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ 22 ሃገራት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ሮይተርስ ኣመልኪቱ። እዘን ሃገራት ን45% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሽፍና ኰይነን፡ ን35% ናይ ቍጠባ ዓለም ድማ የፍርያ። ፍርያምነት ደምበ ብሪክስ ብ2% ክዓቢ ትጽቢት ዝግበሮ ኰይኑ፡ ናይተን ብቝጠባ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት ድማ 30% ናይ ጠቕላላ ቍጠባ ዓለም ዝቆጻጸራ ምዃነን’ዩ። ትንበያ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ከም ዝእምቶ’ውን እቶታውነት ሃገራት ጉጅለ -7 ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብ2% ክጎድል’ዩ።

ኣባላት ደምበ ብሪክስ ብሃገራት ምዕራብ ዝግበር “ዘይሕጋዊ” ዝበለኦ ቍጠባዊ እገዳታት ነቒፎም። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ግጭታት ብሰላም ክዓርፍ ድማ ጸዊዖም። እቲ ደምበ ንኲናት ዩክሬን ንምፍታሕ እማመ ምቕራቡ’ውን ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

ነዚ ደምበ ብፕረዚድነትን ዝመርሖ ዘሎን ኣእንጋዲን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንኲናት ዩክሬን ንምፍታሕ ዝወሰድኦ ተግሶ’ውን ንኢዱ። እንተዀነ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ከም ዘስፈሮ፡ ፑቲን ብውልቂ ኣብ ዝግበሮ ርክባት ሰራዊት ሩስያ ዘርእዮ ዘሎ ገስጋስ’ዩ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ረቡዕ መደረኡ፡ ኲናት ዩክሬን ክዕራፍን እቲ ምግፋሕ ዓውደ-ኲናት ደው ክብልን ጸዊዑ። ፕረዚደንት ሺ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብሰላም ክዓርፍ’ውን ጸዊዑ።

ፑቲን ኣብ መግለጺኡ፡ ብገለ ሃገራት ምዕራብ ብተናጽል ዝበሎ ዝግበር እገዳ ኰኒኑ። ብቐንዱ እቲ ደምበ ነቲ ብምዕራብ ዝቕለሰ ፋይናንሳዊን ካልእ ቅርጺን ኣማራጺ ንምርካብ ዝሰርሕ’ዩ።

ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ኢናሾዮ ዳ ሲልቫ ብምኽንያት ሕማም ኣብቲ ዋዕላ ብኣካል ኣየርከበን። እንተዀነ ኣብቲ ብመንገዲ ማንዛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ብ”ስዊፍት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ኣሰጋግራ ገንዘብ፡ ካልእ ኣማራጺ ክደለ ሓሳብ ኣቕሪቡ። እዚ ስዊፍት ዝብሃል ኣገባብ ንኸም ብዓል ሩስያ ዝኣመሰላ ናይ ምዕራብ ማዕቀብ ዝተነበረን፡ ከም ድላየን ገንዘብ ከንቀሳቕሳ ኣየኽእለን’ዩ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲኒንን ኣብ ዝገበሩዎ ክልተኣዊ ርክብ፡ ዝምድና ሞስኮን በይጂንግን ንዓለም ከረጋግኣ ዝኽእል ሓይሊ ክብል ፕረዚደንት ሺ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ቀጺሉ ንምርግጋእ ፖለቲካ ዓለም ጽምዶ ከሐይሉ ምዃኖም’ውን ወሲኹ።

ኣብ ኪዳን ብሪክዝ ዓቢ ተራ ዘለዋ ህንዲ’ውን ምስ ሩስያ ዘለዋ ድምጾ ዓቢ’ዩ። ህንዲ፡ ዋላ’ኳ ንቻይና ኣብቲ ጉዳይ ከም ቀንዲ መቀናቕንቲ እንተ ረኣየታ፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ሽርክና ግን ንምዕባይ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኔራንድራ ሞዲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ምዕራፍ ክሰርሕ ክደፍአኦ ጸኒሐን’የን። ሞዲ ግን ንሩያ ከይኰነነ፡ “ኣብቲ ዞባ ህጹጽ ዘላቒ ሰላም ንምስራሕ ክንጽዕር ኢና” ብምባል’ዩ ሓሊፉዎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ሎሚ ረቡዕ ካዛን ኣትዩ ኣሎ። ጉተረዝ ንሓሙስ ምስ ፑቲን ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ዘላቒ ሰላም ኲናት ዩክሬን ክዘራረብ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። እንተዀነ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዩክሬን፡ ጉተረዝ ንዕድመ ፑቲን ተቐቢሉ ኣብቲ ዋዕላ ምስታፉ ነቒፉ።

ብሩስያ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝጀመረ ደምበ ብሪክክስ፡ ብዝሒ ኣባልነቱ እናወሰኸ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ደምበ ንምንጽባር 30 ሃገራት ድሌት ኣርእየን ከም ዘለዋ ፑቲን ንተጋብእቲ ሓቢሩ። እቲ ዋዕላ ንዕብየት እቲ ደምበ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ፑቲን ገሊጹ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG