ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ሓባራዊ ገንዘብ ብሪክስ ከም ዘይትጥቀም ትገልፅ


ህንዲ ሓባራዊ ገንዘብ ብሪክስ ከም ዘይትጥቀም ትገልፅ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:17 0:00

ህንዲ ሓባራዊ ገንዘብ ብሪክስ ከም ዘይትጥቀም ትገልፅ

ህንዲ ኣብ መንጎ ትሽዓተ ሃገራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ብሪክስ ሓባራዊ ገንዘብ ክህልወን ከም ዘይትድግፍ ኣብ ክንድኡ ናይ ባዕላ ገንዘብ ብምጥቃም ንግዲ ንምስፍሕፋሕ ከም እትፅዕር ተንተንቲ ኒው ደልሂ ገሊፆም። ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት ደንበ ብሪክስ ዝኾና ሃገራት ንዶላር ዝትክእ ገንዘብ ከይጥቀማ ኣጠንቂቖም ኣለው።

ህንዲ ካብ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሓያል ግብረ መልሲ ዝተሰምዖ ሓባራዊ ገንዘብ ብሪክስ ንምቛም ኣይትፅዕርን እያ።

ትራምፕ ትሽዓተ ኣባላት ዘለዎ ደንበ ብሪክስ ናይ ኣመሪካ ዶላር ብኻልእ ገንዘብ እንተተክኤንኦ ኣብ ፍርያተን 100 ሚእታዊት ቀረፅ ከም ዘኽፍሉወን ኣጠንቂቖም ኣለው።

ተንተንቲ ኣብ መንጎ ከም ህንድን ቻይናን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኣባላት ብሪክስ ዘሎ ምጥርጣርን ፍልልይን ሓባራዊ ገንዘብ ሒዝካ ንቕድሚት ምስጓም ዓብዪ ዕንቅፋት እዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG