ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራዊ ጀነራል ምንስቴር ጥዕና ብራዚል ኮይኖም ተሸይሞም


President Jair Bolsonaro
President Jair Bolsonaro

ብራዚል ካብ ሚያዚያ ጀሚራ ስልሳይ ግዚያዊ ምንስቴር ጥዕና እታ ሃገር ንክኾኑ ንጀነራል ኢድዋርዶ ፓዙወሎ ሸይማ።

ወረቐት ምስክር ሙያ ጥዕና ዘይብሎም ፓዙወሎ ትማሊ ረቡዕ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም ኣለው።ቅድሚኦም ዝነበሩ ምንስትራት ጥዕና ኣብ ፖሊስታት ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ፕሬዝዳንት ጀይር ቦልሶናሮ ብምጉናፅ እዮም ካብ ስርሖም ተሰናቢቶም።

ንርእሶም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ፕሬዝዳንት ቦልሶናሮ ነቲ ሓደጋ ትሑት ግምት ክህቡዎ ብምፅናሕ እገዳታት ምስ ዝተግበሩ ከባቢያዊ መራሕቲ ክራፀሙ ፀኒሖም እዮም።

ብራዚል ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ብበዝሒ ኮቪድ-19 ቅድሚት ትስራዕ::ዝተለኸፉ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝሞቱ 134,400 ሓደ ምእትን ሰላሳን ኣርባዕተ ሰባት መዝጊባ ኣላ።

XS
SM
MD
LG