ዋሽንግተን —
ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ብራዚል ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ፡ ንናይ ቀደም ፕረዚደንት እታ ሃገር ጃኤር ቦልሶናሮ፡ ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ኣነኣኢሱ ብምባል ክሳብ 2030 ፖለቲካዊ ስልጣን ከይሕዝ ከልኪሉ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ናይ ቅድም የማናዊ ፕረዚደንት ኣብ እዋን መዝነቱን ግዜ ምርጫን ልዕሊ ገደብ ስልጣኑ ብምኻድን መምረጺ ማሺናት እታ ሃገር ድማ ንምርጫ ኣብ ምስራቕ ሰሪሐን ብዝብል ክስታት ገበነኛ ኢሉዎ ኣሎ።
ቦልሶናሮ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ ደገፍቲ ንህንጻ ቤተ-መንግስቲ ብዝገበሩዎ መጥቃዕቲ’ውን ክሲ ቀሪቡሉ ነይሩ።
ቦልሶናሮ ነቲ ዝተባህሎ ክስታት ከም ዘይወዓሎ ብምሕባር ነቲ መስርሕ ፍርዲ ነጺጉዎ ኣሎ። ቦልሶናሮ፡ “እተን መድመጽቲ ማሺናት ጌጋ ክገብራ ተኽእሎ ከም ዘሎ ደኣ’የ ጠቒሰ እምበር፡ ጌጋ ውጽኢት ሂበን ኣይበልኩን፡” ክብል ተኸላኺሉ። ቅድሚ’ቲ ብይን ምሃቡ ምስ ሓንቲ ናይ ኢጣልያ መደበር ረድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ድማ፡ “ትርጕሙ ክርድኣኒ ዘይከኣለ መስርሕ ፍርዲ’ዩ፡” ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ'ሎ።
ቅጥዒ