ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜርካ ድሕሪ 31 ዓመታት ብመብ ክፍለዝጊ ወርቂ መዳሊያ ተሸሊማ


Boston Marathon elite runners Josphat Boit (left) and Meb Keflezighi (right) race to the finish line during the 2014 Boston Marathon in Massachusets, USA.
Boston Marathon elite runners Josphat Boit (left) and Meb Keflezighi (right) race to the finish line during the 2014 Boston Marathon in Massachusets, USA.
ትማሊ ሰኒ ኣብ ከተማ ቦስቶን ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን መሪርን ጥዑምን ነይሩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን እቲ ውድድር ብዝተተኮሱ ክልተ ቦምብታት ንዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባትን ንዝቖሰሉ ዓሰርተታትን ብምዝካር ተኻይዱ።ኣሜሪካ ብመብ ክፍለዝጊ ኣቢላ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመት ንፈለማ ግዜ ተዓዋቲት ቦስተን ማራቶን ኮይና።

ቦስቶናዊያን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝበፅሖም ማህሰይቲ ንምሕዋይ፣ኣብ ናይ 2014 ኣ/ፈ ውድድር ማራቶን ድማ በርቲዖም ንኽወፁ ክሰርሑ ፀኒሖም።ታሪኻዊ ውድድር ክኣ ኣካይዶም።ዓሚ 27 ሽሕ ሰባት ሎሚ ክኣ 36 ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም።

ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ መብ ክፍለዝጊ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ናይ ቦስቶን ማራቶን ውድድር ክዕወት ፈላማይ ኣሜሪካዊ ኮይኑ’ሎ።ኬንያዊት ሪታ ጄብቱ እውን ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማራቶን ተዓዊታ።
መብ ክፍለዝጊ ድሕሪ ዓወቱ ቃላት ካብ ዝገልፅዎ ንላዕሊ ታሕጓስ ከም እተሰምዖን ናይ ዓሚ ውድድር ብምኽንያት ፍንጀራ ቦምብታት ምስ ተሰናኸለ ቦስተን ሓይላ ከምእትምለስ ዝነበሮ እምነት ይገልፅ።
እዚ ዓወት እዚ ካብ ጉያ ዝዘለለ ትርጉም ከምዘለዎ ምስገለፀ መብ ኣስዒቡ ‘’እዚ ንቦስተን፣ንዩናይትድ ስቴትስን ንዓለምን እዩ።ብቕልጡፍ ሓወይቲ ኢና።ተስፋ ኣይንቖርፅን’’ክንል ይገልፅ።ክሳብ ናይ መዳእታ መስመር ዝክኣሎ ገይሩ ንምስዓር ከምዝጎየየ ሓቢሩ’ሎ።

ኬንያዊ ዊልሰን ቸበት ክሳብ መወዳእታ ካብ ድሕሪኡ ከይተፈለየ ጎዩን ኣብ ሓደ እዋን ዳርጋ ተፀጊዑዎን ነይሩ።መብ ዝኣተውሉ ክልተ ስዓት፣ሸሞንተ ደቒቓን 37 ሰኬንድን እንትኸውን ዊልሰን ቸበት ድማ ክልተ ሰዓት፣ሸሞንተ ደቓይቕን 48 ሰኬንድን ብ11 ሰኬንድታት ተፈላልዮም ኣትዮም።መብ ክፍለዝጊ ሓዲሩዎ ዝነበረ ስግኣትን ፅንዓቱን እውን ኣይሓብአን።

መብ ክፍለዝጊ ድሕሪ ክልተ ሰሙን መበል 39 ዓመት ልደቱ ከኸብር እዩ።እዚ ዕደመ እዚ ጎይኻ ብቐሊሉ እትስዕረሉ ዕደመ ኣይኮነን።መብ ግን ‘’እግዝኣብሄር እዚ ክእለት ሂቡኒ’ሎ።በብዕለቱ ዝበለፀ ክሰርሕ እየ ዝፍትን።ከምኡ ገይረ እውን ተዓዊተ’’ይብል።

ማራቶን ናይ ፅንዓት መፈተኒ እዩ።ኣሜሪካ ካብ 1983 ኣ/ፈ ጀሚሩ ኣብ ናይ ቦስተን ማራቶን ወርቂ ስዒራ ኣይተፈልጥን።ተዓዘብቲ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንመብ ክፈልዝጊ ታሕጓሶም ይገልፅሉ።
XS
SM
MD
LG