ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈፀምቲ መጥቃዕቲ ቦስቶን ናይ ኢዶም ክረኽቡ‘ዮም ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ


BARACK OBAMA
BARACK OBAMA
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ”ተግባር ጨካናትን ፈራሓትን“ ኢሎም ንዝገለፅዎ መጥቃዕቲ ቦስቶን ማሳቹሰትን፣ብውልቂ ይኹን ብሓባር ዝፈፀሙ ወገናት ክንረኽቦምን ክንፋረዶምን ኢና ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክልተ ጊዜ መግለፂ ዝሃቡ እቶም ፕረዚደንት፣ ፈደራላዊ ቢሮ ምርመራ (FBI) ነቲ ግብሪ ሸበራ የፃርዩ‘ሎ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ወሲኾም፣መስርሕ ምፅራይ‘ቲ መጥቃዕቲ ገና ኣብ መባእታዊ ብርኪ ምኻኑ ጠቂሶም።

”እቲ ድሮ ዝበፅሓናዮ መደምደምታ፣ነቲ መጥቃዕቲ መን‘ዩ ፈፃሚኡ ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ዘይተመለሰ ምኻኑ‘ዩ።ኣቀዲሙ ዝተዋደደ ድዩ? ብጉጅለ ግብረ-ሸበራ ናይ ወፃኢ ወይ ናይ ውሽጢ ሃገር? ዝብሉ ሕቶታት ኣይተመለሱን ዘለው።ኩሉ ነገር ንምንፃር ጊዜ የድልይ‘ዩ።ግን ክንፈልጥ ኢና።ንዜጋታትና መን ከምዝጎድአ ክንፈልጥን ናብ ፍርዲ ክነቅርብን ኢና” ኢሎም።

ህዝቢ ኣሜሪካ ንራዕዲ ኣይንብርከኽን ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፣ኣብ ፅባሕ እቲ መጥቃዕቲ፣ዓለም ተግባራት ጅግንነት፣ሕያውነት፣ልግሲን ፍቅሪን ናብ ግዳያት እናወሓዘ ከሎ ተዓዚቡ እዩ ኢሎም።

”መን ምኻና ክትፈልጡ እንተደሊኹም፣መንነት ኣሜሪካ ክትፈልጡ ፣ ንክፍኣት ከመይ ከምንምልሰሉ እንተደሊኹም፣ተገደስቲ፣ኣፍቀርቲን ዘይፈርሁን ምኻኖም ትርድኡ” ይብሉ ንሶም።

ኣብ ቦስቶን ዝተፈፀመ ጥቅዓት ንሸሞንተ ዝዕድሚኡ ቆልዓ ወሲኹ ንሰለስተ ሰባት ቀቲሉ፣179 ሰባት ኣቁሲሉ።FBI ብወገኑ፣እቲ መስርሕ መርመራ ዓለም-ለኻዊ መልክዕ ክሕዝ‘ዩ ኢሎም‘ለው።
XS
SM
MD
LG