ሰሜን ምብራቅ ኣሜሪካ ትርከብ ከተማ ቦስቶን ድሕሪ ዘተኣናገደቶ ውድድር ማራቶን ክልተ መጥቃዕቲ ሸበራዊ ቦምብ ከምዘጋጠማ ይፍለጥ። ብጠንቂ‘ቲ መጥቃዕቲ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ ሓዊስካ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ ከለው፣ልዕሊ 170 ሰባት ድማ ፈኩስን ከቢድን መቁሰልቲ ወሪድዎም‘ሎ።
ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ቦስቶን ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ፣እቶም ቀዲሞም ዝኣተው ኣትሌታት ካብ‘ቲ መጥቃዕቲ ኣምሊጦም‘ዮም።ኢትዮዽያዊ ለሊሳ ደሲሳ ቀዳማይን ተሸላማይ 150 ሽሕ ዶላርን ክኸውን ከሎ፣ኬንያዊ ማይካ ኮሎ ካልኣይ ኢትዮዽያዊ ገ/ሄር ገ/ማርያም ድማ ሳልሳይ ከምዝኣተው ዝዝከር‘ዩ።
ኣብ‘ታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያንን‘ውን ይነብሩ።ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን‘ቶም ኣባላት ኮም ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሮም‘ዮም ኣጋይሽና።እንተኾነ ኣብ ልዕሊ‘ታ ከተማን ህዝባን ዝወረደ ጥቅዓት ኣብ ልዕሌና‘ውን ዝወረደ ስለዝኾነ ዝኹነን‘ዩ ይብሉ።
ነቲ መጥቃዕቲ መን፣ስለምንታይ ከምዝፈፀሞ/ምዎ ዝተፈልጠ ነገር ዛጊድ የለን።ዝተኣሰረ ወገን ወይ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሓይሊ‘ውን የለን።