ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወኪላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ፍታሕ ንምምፃእ ግዜ ይስንቀቕ ኣሎ ክብሉ ኣጠንቂቖም


ናይ ወኪላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያናብ ምሉእ ሕድ ሕድ ኵናት ቅድሙ ምእታዋ ንግጭት ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምፃእ ግዜ ይፅንቀቕ ኣሎ ኢሎም።እዚ መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ረድኤት ብምዕፃው ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ብስኣን ምግብን ነዳዲን ይሳቐዩ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ።

ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ናይ ነዳዲ መሸጢ ኖቕጣታት ተዓፅዮም፣ቀረብ ምግቢ ይፅንቀቕን ዋጋ ምግቢ ድማ ሰማይ ዓሪጉ ንምብዙሓት ሰባት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ከምዝኾነን ነበርቲ ይገልፁ።

ተዋጋእቲ ትግራይ ንኸልተ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ብምቁፅፃር ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣብ ዘለውሉ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም።

ብዛዕባ ማእሰርቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰሉስ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይዝ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኣባላት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዓሌታዊ መንነቶም መሰረት ገይሩ ምእሳሮም ብተመሳሳሊ ንኹንኖ ኢሎም።’’ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ካብቲ ሪፖርት ተረዲኢና ኣለና።ኣብ መንነት መሰረት ዝገበረ ምንክልባትን ማእሰርትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍፁም ተቐባልነት የብሉን።ማዕርኡ ድማ ምስ ህወሓት ርክብ ብዘለዎም ዕጡቓት ዝፍፀም ናይ ሒነ መጥቓዕቲ ንኹንን፤ኩሎም ወገናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ተኣዲቦም ናይ ሒነ መጥቓዕትታት ጠጠው ከብሉን ንሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕጊን ከኽብሩ ንፅውዕ’’ ኢሎም።

ፕራይስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡን ኣሜሪካ ንፃዕርታት ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኦሊሰገን ኣባሳንጆ ከም እትድግፍን ገሊፆም።

ኣባሳንጆ ንፖለቲካዊ ፍታሕ ዕድል ኣሎ ግን እቲ መስኮት ይዕፆ እዩ ዘሎ ክብሉ ሶኑይ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተዛሪቦምዎም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ምስ ናይ ግብፂ ምንስቴር ወፃኢ ካብ ዝተዘራረብሎም ዛዕባታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝነበረት ገሊፆም።

ቅልውላው ኢትዮጵያ ንምርግጋእ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ ዝበሉ ብሊንከን ‘’ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ናይ ሰላም ልዝብ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክካየድ ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ምስ ዘለው ኩሎም ወገናትን ምስ መሻርኽትናን ፅምዶና ክቕፅ እዩ’’ ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ናይ ልዝብ መንገዲ ክዓስል ፀሊዮም ኣለው።

‘’ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይመፅ ዘሎ ዜና ብስኽፍታ እከታተሎ እየ።ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይካየድ ብዘሎ ግጭት ዝተጎድኡን ማእለያ ዘይብሉ ግዳያትን ዘስዓበ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን’’ ኢሎም ፖፕ ፍራንሲስ ።

ፕራይስ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተረጋግአት እያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክወፁ ዝደልዩ ኣሜሪካዊያን ናይ መጎዓዚያ ነፍርቲ ክሕዙን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ድማ ኣብዘድሊ ናይ መምለሲ ልቓሕ ከቕርብን እዩ ኢሎም።

ብኻሊእ ዜና ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ን72 ዘወርቲ መካይን ሕቡራት መንግስታት ኣሲሮም።ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት እቶም ዘወርቲ መካይን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብኮንትራት ይሰርሑ ከምዝነበሩን ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ከምዝተኣሰሩን ገሊፆም ኣለው።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዲና ሙፍትን ብዛዕባ እዚ ማእሰርቲ መልሲ ኣይሃቡን ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ።

XS
SM
MD
LG