ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 2-ሽሕ ተማሃሮ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ


ኣቶ ተስፋዬ ወልደሚካኤል
ኣቶ ተስፋዬ ወልደሚካኤል

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ዘሎ ደርቂ፡ ልዕሊ 2-ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ክክታተሉ ከምዘይክኣሉ ይግለጽ ኣሎ።

ሓላፊ ትምህርቲ`ቲ ዞባ ኣቶ ተስፋዬ ወልደሚካኤል ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 2-ሽሕ ተመሃሮ ገና ናብ ትምህርቶም ዘይተመልሱ`ኳ እንተኾኑ፡ ኣብቲ መጀመርያ እዋን ብሰንኪ ደርቂ ካብ ትምህርቶም ቦኺሮም ዝነበሩ ኣስታት 8-ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ ግን ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ኣለዉ ኢሉ።

ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግጭትን ደርቅን ልዕሊ 3.6 ሚልየን ቆልዑት ካብ ቤት ምህርቲ ከም ዝበኸሩ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG