ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብደርቂ ዝተጠቕዓ ከባቢ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዝናብ ከምዝረኽብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ


ብደርቂ ተጠቒዖም ዝነበሩ ክልላት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ኢትዮጵያ ልዕሊ ስሩዕ መጠን ዝናብ ክረኽቡ ምዃኖም ኢንስትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ሓላፊ ክፍሊ ምክትታልን ትምበያ ኩነታት ኣየርን ደርቅን ኣቶ ሙሉኣለም ኣበራ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ቦረና፣ያባሌን ደቡብ ሶማሊን ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ዝናብ ከምዝወቅዕ ገሊፆም።

ነበርቲ ዞባ ቦረና ዝናብ ብምውቅዑ ሕጉሳት እንተኾኑ እውንን ብደርቂ ዝተጎዱኡ እንሰሳታቶም ብሰንኪ እቲ ዝናብ ከይስእኑ ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG