ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ንዝተመስረተ ዞባ ምብራቕ ቦሮና ብዝምልከት ተቃውሞ ምልዓሉ ተገሊጹ


ኣባገዳታትን ሽማግለታት ዓድን ዞባ ባሌ ክልል ኦሮሚያ፡ መንግስቲ'ቲ ክልል ንወረዳታት መደወላቡ፣ ሃሬና፣ቡሉኪን ኦቦሶሮን ሓዱሽ ናብ ዝተመስረተ ዞባ ምብራቕ ቦሮና ክሕወሱ ክብል ኣብ ቀረባ ንዘሕለፎ ውሳነ ተቓውምኦም ገሊፆም።

እቲ ውሳነ ዕላዊ ካብ ዝኸውን ኣብ ዞባ ቦረና ተቓውሞታት ተላዒሎም ኣለው። ብፍላይ ኣባገዳታትን ዓበይቲ ዓድን ወረዳ መደወላቡ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ቦታ ዘለዎ ታሪኽ ዝሓዘ ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ መራሕቲ ምንቅስቓስ ተዋጋእቲ ዋቆ ጉቱ ዝተወለደሉ ቦታ እዩ ክብሉ ተቓውምኦም ገሊፆም።

ኣባገዳታት ዞባ ጉጂ እውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለው። ናይቲ ክልል ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ምምሕዳር ከባቢታት ብዝጥዕም ኣገባብ ዳግም ኣብ ምውዳብ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ክብሉ ሓፂር ምላሽ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG