ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጽሓፍ “እመቢታ ኣንፃር ወረርቲ” ታሪኽ ሃጸይ ዮሃንስ


መምህር ገ/ኪዳን ደስታ
መምህር ገ/ኪዳን ደስታ
መምህር ገብረኺዳን ደስታ ዝፀሓፍዎ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ዝብል ብዋናነት ገድሊ ሃጸይ ዮሃንስ የዘንትው። ሃጸይ ዮሃንስ ንሃገራዊ ሓድነት ዘካየድዎ ቃልሲ 17 ዓማውቲ ከምኡ’ውን ንትግራይ ትግርኚ ኣብ ክልተ ዝመቐለ ክሕደት ሃጸይ ምኒሊክ ኣብቲ መጽሓፍ ተጠቒሱ’ሎ።

ሃጸይ ዮሃንስ ኣንፃር እልምናዊ እምነት እዮም ነይሮም፤ ሰባት ኣገዲዶም የጠምቑ ነይርም ንዝብል መካትዒ መልሲ ሂቡ’ሎ መጽሓፍ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ። እቲ መጽሓፍ 533 ገጻት ዝሓዘን ብምስላን መልቀስን ዝሃፍተመ እዩ።

እቲ መጽሓፍ ቅድም ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ዝተመረቐ እንትኾን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ዮሃንስ ብዝላዓለ ጽምብል ተመሪቑ’ሎ።

መምህር ገብረኺዳን ደስታ ቅድሚ ሎሚ ፅውፅዋይ ትግርኛ፣ መቐረት ምስላታት ትግርኛ ከምኡ’ውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ውዲት ምኩሓትን ዝብሉ ሰለስተ መጽሓፍቲ ኣበርኪቶም እዮም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:00 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG