ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጂማ ዩኒቨርሲቲ ቦምባ ተደርብዩ ብዙሓት ተማሃሮ ተጎዲኦም ይብል ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር


ሐሮማያ ዩኒቨርሲቲ
ሐሮማያ ዩኒቨርሲቲ

ንትልሚ ዝተዋደደ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባታት ፊንፊኔን ብምቅዋም ይካየድ ዘሎ ተቓውሞ ሎሚ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃሮምያ፣ዩኒቨርስቲ ጂማን ዩኒቨርስቲ መዳወላቡን ከምዝቐጸለ ተገሊጹ። ኣብ ሃሮምያ በጺሑ ንዝተበሃለ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ፖሊስ ምዕራብ ሃረርጌ ገሊጹ።

ናይ ዓይኒ ምስክር ካብ ሃሮምያ ቴክሎኖጂ ካምፓስ ንምቃውም ንዝፈተኑ እንተኾኑ እውን በተንቲ ኣድማ ማይ ተጠቒሞም ከምዝበተኑዎምን ከምዝቐጥቀጥዎምን ይገልጹ።

ኣብዚ ከባቢ በጺሑ ብዛዕባ ዝተብሃለ ዝተሓተቱ ኮማንደር ፖሊስ ምዕራብ ሃረርጌ ዑስማን መሃድን ቤት ጽሕፈቶም ብዛዕባ ዝተበሃለ ጉድኣት ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ'ዮም ገሊጾም።

“ቤት ጽሕፈትና ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ የብሉን።ገለ ተማሃሮ ግን ንምርባሽ ዝገበሩዎ ፈተነ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና።ናይ ሰብ መሰል ከይተንከፍና ብሕጋዊ ኣገባብ ፈቲሕናዮ ኣለና።ብዛዕባ ዝተወቕዐን ዝቖሰለን ዝተበሃለ ግን ዝፈልጦ ነገር የብለይን።ካብ መደቀሲኦም ወሲዶምዎም ብዛዕባ ዝተበሃለ እውን ሓበሬታ ኣይበጽሐንን”

ብኻልእ ዜና ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ኢንስቲቱት ቴክኖሎጂ ኪቶ ፋርዱሳ ተማሃሮ ትማሊ ምሸት ንተቓውሞ ከምዝተሰለፉን ሓይልታት ፖሊስ ፌደራል ናብቲ ቐጽሪ ኣትዮም ከምዝበተኑዎምን ሓደ ሽሙ ዘይገለጸ ተማሃራይ ንክፍሊ ኦሮምኛ ሓቢሩ። “እቲ ቦታ ጂማ ቴክኖሎጂ ኢንስቱቱት እዩ ዝብሃል።ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ላይብረሪ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኣትዮም ንተማሃሮ ይቕጥቅጡ ነይሮም።ቦምብ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ደርቢዮም ብዙሓት ተምሃሮ ተጎዲኦም።መብዛሕቲኦም ዝተጎድኡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ጂማ ኣቲዮም ኣለው።ካልኦት ግን ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን።”

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG