ጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝሓለፈ ወርሒካብ ቤት ትምህርተን ካብ ዝጨወየን 110 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ 91 ብነጻ ምልቃቑ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።
ሚንስትር ሓበሬታ ናይጀርያ ላይ መሓመድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እተን ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዝርኸበን 91 ኣዋልድ ኣብ ሓደ ቦታ ከምዝተረኽባ ገሊጾም።
አባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ብ ኣቆጻጽራ እታ ሃገር ናብ ከተማ ባናዕ ሙሳ ብምእታው ነተን ኣዋልድ ኣብ ሓደ ቦታ ገዲፎም ከምዝኸዱ ነበርቲ እታ ከተማ ዝገለጹ ኮይኑ “እዚ ንኹላትኹም መጠንቐቅታ እዩ” ክብሉ ንነበርቲ ከምዘፈራርሑ’ውን ነበርቲ ይገልጹ።
“ነዚ ዝገበርና ደንጊጽናልኹም ስለዝኾና ኢና፥አዋልድኹም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይትሰዱ ክብሉ ንነበርቲ ዳባቺ ከምዘፈራርሑ ዝሓበሩ ነበርቲ ቦኮ ሓራም ብቛንቛ ሃውሳ ቦኮ ሓራም ማለት ምዕራባዊ ትምህርቲ ክልኩል እዩ ማለት ምዃኑ ይፍለጥ።
ብዙሓት ነበርቲ ዳባቺ መካይን እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ የምርሑ ከምዘለው ዝሰምዑ ካብታ ከተማ ምውጽኦምን ድሕሪ ምምላስ እተን ኣዋልድ ግን ነበርቲ ናብታ ከተማ ከምርሑ ከምዝጀመሩ ተገሊጹ።
ምልቓቅ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ንወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ብትሪ ድሕሪ ምንቓፉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኮይኑ ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ግን ነቲ ክስታት ምንጽጉ ይፍለጥ።