ዋሽንግተን —
ኣብ ክፍለ-ሃገር ዮበ ናይ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያ፡ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ቦኮ-ሓራም ብዝካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 81 ሰባት ምቕታሎምን ሓያሎ ድማ ምስዋሮምን ንሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ወሃብ-ቃል እቲ ክፍለ-ሃገር ከም ዝሓበሮ፡ ኣርበፐጂን ካልእ መሳርሒታትን ዝዓጠቑ ኣስታት 150 ኣባላት ቦኮ-ሓራም’ዮም ብኣስታት 50 ቃፍላይ ሞተር ብሽክለታ ብሰንበት ኣጥቂዖም።
ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ቀቲሎም፡ ኣባይቲ ኣንዲዶም፡ ድኳናት ኣቃጺሎምን ካልእ ንብረት ራስዮም ምኻዶም እቲ ዜና ይሕብር።
እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታት ካብቶም ጠፊኦም ዘለዉን ሞይቶም ዝተረኽቡን ዝተፈቕደ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመሓደርቲ ገሊጾም። እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል’ውን እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።
ቅጥዒ