ዋሽንግተን —
ኣብ ኬንያ "ንየሱስክርስቶስ ንምርካብ" ብዝብል መግቢ ናይ ዘይምብላዕ ስጉምቲ ዝወሰዱ ሰዓብቲ ሓደ ጉጅለ ሃይማኖት ብዝተታሓሓዘ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ትማሊ ሰሉስ ተወሳኺ ሓደስቲ 19 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 300 ከምዝሓለፈ ሓደ በዓል ስልጣን ኣፍሊጦም።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ መብዛሕትኡ'ዚ ሬሳታት ዝተረኽበ ኣብ ጥቃ ህንዲ ውቅያኖስ ትርከብ ከተማ ማሊንዲ ዝርከብ ሓደ ዱር ኮይኑ ንብረት ሰዓብቲ'ቲ ካብ ዝሓለፈ 14 ሚያዝያ ተኣሲሩ ዝርከብ ዘዋሪ ታክሲ ዝነበረን ናብ ሰባኺ ዝተቀየረን ፖል ንታንገ መከንዚ ዝተባህለ ሰብ ምኳኑ ፖሊስ ይኣምን ይብል።
ቅጥዒ