ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፤ ቁጽሪ ብጥምየት ዝሞቱ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ልዕሊ 300 ምብጽሑ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኬንያ "ንየሱስክርስቶስ ንምርካብ" ብዝብል መግቢ ናይ ዘይምብላዕ ስጉምቲ ዝወሰዱ ሰዓብቲ ሓደ ጉጅለ ሃይማኖት ብዝተታሓሓዘ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ትማሊ ሰሉስ ተወሳኺ ሓደስቲ 19 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 300 ከምዝሓለፈ ሓደ በዓል ስልጣን ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ መብዛሕትኡ'ዚ ሬሳታት ዝተረኽበ ኣብ ጥቃ ህንዲ ውቅያኖስ ትርከብ ከተማ ማሊንዲ ዝርከብ ሓደ ዱር ኮይኑ ንብረት ሰዓብቲ'ቲ ካብ ዝሓለፈ 14 ሚያዝያ ተኣሲሩ ዝርከብ ዘዋሪ ታክሲ ዝነበረን ናብ ሰባኺ ዝተቀየረን ፖል ንታንገ መከንዚ ዝተባህለ ሰብ ምኳኑ ፖሊስ ይኣምን ይብል።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG