ዋሽንግተን —
13 ግብጻውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ ኣውሮጳ ተምርሕ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምግልባጣን ብዘይካ ሓደ ሰብ ኩሎም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ምሟቶም ሰበ ስልጣን ሓቢሮም ክብል ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብ ሊብያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ዘቅርብ ሓደ ጉጅለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገጹ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰኑይ ከምዘጋጠመን ሓደ ሰብ ጥራሕ ብህይወት ከምዝተረኽበን ሬሳ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ገማግም እቲ ባሕሪ ከምዝተኣከበ ገሊፁ።
ቅጥዒ