ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማስተርፕላን ኣዲስ አበባ ደው ክብል ውሳኔ እንተተመሓላለፈ'ኻ ተቓውሞ ግን ቀጺሉ ወዒሉ'ሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ሒዙ ዘሎ ኦህዴው- ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴምክራስያዊ ውድብ ነቲ ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ህውከት ወሊዑ ዝነበረ ማስተርፕላን ከተማ አዲስ ኣበባን ከባቢኣን ደው ከምዘበሎ ትማሊ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሕጂ'ውን ቀጺሉ ከምዘሎ ይግለጽ'ኣሎ።

ትማሊ አብ ኣምቦ አብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓደ ተማሃራይ ቀቢሮም ካብ መንጎ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ዝተቐጥቐጡን ዝተኣሰሩን ኣለዉ ፡ ኸምኡ'ውን ዝተቐትለ ካልእ ሓደ ተማሃራይ ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው።

ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንውሳኔ መራሕቲ ክልል ኦሮምያ ፈደራል መንግስቲ የኽብርን ይቕበሎን'ዩ ምባሎም ተገሊጹ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG