ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሰማያዊ ፓርቲ መተኣማመኒ ድምፂ ተነፊጉ


ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሰማያዊ ፓርቲ ንኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ናይ መተኣማመኒ ድምፂ ከምዝነፈጎ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ኦሪዲትን ምርመራን እቲ ፓርቲ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፀዊዑ’ሎ።

ሰማያዊ ፓርቲ ሎማዕንቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ናይቲ ፓርቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብዝካየዶ ኣኼባ'ዩ ነዚ ዝወሰነ።

እቲ ውሳነ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ዝተውሃበ ምዃኑ እውን ይገልፅ።ናይ መተኣማመኒ ድምፂ እንተድኣ ነፊጉዎ ብኮሚሽን ኦዲትን ምርመራን ሓፈሻዊ ጉባኤ ተፀዊዑ እቲ ፀገም ክፍታሕ ይኽእል ይብል ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ።

በዚ መሰረት ህፁፅ ኣኼባ ክካየድ ፀዊዑ’ሎ። ኣብቲ ፓርቲ ኣብ መንጎ ፈፃሚ ስራሕን ናይቲ ፓርቲ ኮሚቴ ስነ ምግባርን ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ይዝከር ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

XS
SM
MD
LG