ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ ይሃብ ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ሓቲቱ


መንግስቲ ኣፃብዕቱ ካብ ዓንቀር ብረት ኣልዒሉ ንሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ይሃብ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ ሓቲቱ።ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ እቲ ፓርቲ ሎሚ ሶሉስ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፀዊዑ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ውድብ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ከምዚ ይብሉ።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ ክልል ሶማሊያ ብምምዝባሎምን ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ህልቀት ህዝቢ ዝፈጠሮ ቅልውላው ንመላእ ኦሮሚያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘቖጥዐ ብምዃኑ በብከባቢኡ ይልዓሉ ዘለው ህዝባዊ ተቓውሞታት ግቡእ ምላሽ ዘድልዮም እዮም።መንግስቲ ኣፃብዕቱ ካብ ዓንቀር ብረት ከልዕልን ንሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ክህብን ኣጥቢቕና ንሓትት።”

ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ብተወሳኺ ኢህወዴግ ነታ ሃገር ከድሕና ዝኽእል ስልጣኑ ንህዝቢ እንተድኣ ኣረኪቡ እዩ እውን ኢሎም።

ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ እውን መንግስቲ ንፖለቲካዊ እሱራት ክፈትሕን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ የገድሰኒ እዩ ዝብል ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ሃገሩ ዝግደስ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።ሰማያዊ ፓርቲ ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ንምምኻር ን19 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ኣኼባ ፀዊዐ ኣለኹ ክብል’ውን ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG