ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ከክያዶ ሒዙዎ ዝነበረ መደብ ከመሓላልፎ ዝተወሰነሉ ውሳኔ ተቓዊሙ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ከክያዶ ሒዙዎ ዝነበረ መደብ ንኻሊእ ግዜ ክልውጥ ብምምሕዳ እታ ከተማ ምውሳኑ ተቓዊሙ። እዚ ስጉምቲ ገዛኢ ፓርቲ ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ነፃነትን ናይ ምውዳብን መሰላት ከምዝዓፀዎ ዝሕብር እዩ ኢሎም ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።

ሰማያዊ ፓርቲ 19 ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ምስ ዝርከቡ ኣባላቱን ደገፍቱን ኣኼባ ንምክያድ ንምምሕዳ እታ ከተማ እንተፍለጠ እውን ኣብቲ ዕለት ብምምሕዳ እታ ከተማ ዝፍፀም ካሊእ ስራሕ ስለዘሎ ቀይርኩም ኣፍሉጡና ዝበል ደብዳበ ተዋሂቡና ይብሉ ኣቶ ይልቃ።

ህዝባዊ ኣኼባ ንምክያድ መንግስቲ ክፈልጦ ዝግበር ናይቲ ተኣካባይ መሰልን ደሕንነትን ንምሕላው እምበር ምሕታት ፍቓድ ዝብሃል ነገር የለን፤እዚ ዝሕብሮ ኣብታ ሃገር ሓሳብ ናይ ምግላፅ ነፃነትን ካልኦት መሰላትን ከምዝተዓፀወ እዩ ኢሎም ኣቶ ይልቃል። ንሶም ኣብቲ ዝ ሃብዎ ሓበሬታ "ኣነ ካብዚ ዝርድኦ ነገር ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግልፃ፣ናይ ምውዳብ፣ናይ ምእካብ መሰላት ጥርቅም ኢሎም ከምዝተዓፀዉ፣ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝፈለየሉ ኩነታት ከምዝተዓፀወን ኢህወዴግ ፈፂሙ ክቕበሎ ከምዘይደለየን ኮይኑ እየር ረኸብዮ" ኢሎም።

ሰማያዊ ፓርቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ውሽጡ ዘጋጠሞ ፀገም በብደረጅኡ ይፍታሕ ከምዘሎ እውን ኣቶ ይልቃል ገሊፆም ይብልፅ ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

XS
SM
MD
LG