ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ሰለስተ ሰባት ኩሎም ኣብ’ዚ ቅንያት ዝተኣስሩ ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ተፈቲሖም


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner

ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ብጠንቂ ክካየድ መድብ ዝተታሓዘሉ ሰልፊ ትሻዓተ ፓርቲታት ተቃወምቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰባት ብዘይካ እቶም ሰለስተ ኩሎም ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ።

ርክብ ህዝቢ ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ ንቪኦኤ ክገልፁ ከለው፡ንኣባላት ኣመራርሓ ሓዊሱ 93 ሰባት ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኢሎም።

ኣቶ ማትያስ መኩርያ፡ ኣቶ ባህረ እሸቱን ኣቶ ሲሳይ ዘርፉን ዝተባሃሉ ግና ሎሚ’ውን ኣይተፈትሑን ይብሉ ርክብ ህዝቢ ሰማያዊ ፓርቲ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ትማሊ ንቪኦኤ ሪኢቶ ዝሃብ ኣቶ ዮናታን ተስፋዬ፡ ኣተሓሕዛ’ቶም ኣብ ኣርባዕተ ስፍራ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ኣባላት’ቲ ፓርቲ ፅቡቅ’ዩ ነይሩ ኣዝማዶም በፂሖምዎም፡ምስ ጠበቃታቶም ተራኺቦም’ዮም ኢሎም።

ኣተሓሕዛ’ቶም ካብ ቢት ፅሕፈት ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ሰልፊ እናተበገሱ ከለው ተታሒዞም ዝተኣሰሩ ግና ካብ ሕጊ ወፃኢ ከምዝነበረን ንምቅዋም ኢሎም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG