ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡ መኢኣድን ሰማያዊ ፓርቲ ዝጸውዕዎ አኼባ ምትዕንቓፉ ሓቢሮም


ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ንምዝርራብ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፀውዕዎ ኣኼባ ብሰንኪ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝተዓናቐፎም ተቓወምቲ ፓርትታት መኢኣድን ሰማያዊ ፓርትን ገሊፆም።

ናይ ህፁፅ እዋን አዋጅ ካብ ዝለዓል ናይ መጀመርያ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝለዓልሉን ኣኼባ ከምዝኾነ እቶም ፓርትታት ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፕርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ።ኣብቶም ዝሓለፊ 10 ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ስርሓት ንምስራሕ ኣይክኣልናን ይብሉ።

ኣብ ኣዳራሽ ሓይሊ መብራህቲ ኣኼባ ንምክያድ ክልቲኦም ፓርትታት ብሓደ ደብዳቤ ኣፍሊጦም ምንባሮምን ይኹን እምበር ክልቲኦም ብሓደ ደብዳቤ ክሓቱ ከምዘይኽእሉ ከምዝተነገሮም ብዝተበሃሎ መሰረት ደብዳቤ ፅሒፎም እውን መልሲ ስኢና ይብሉ።

ናይ መኢኣድ ፕሬዝዳንት ዶ/ር በዛብህ ደምሴ ብወገኖም ናይቲ ምምሕዳር ምላሽ ንሕገመንግስታዊ መሰል ክልቲኦም ፓርትታት ዝጠሓሰ እዩ ይብሉ ።

“ክልቴኹም ብሓባር ኣኼባ ክትፅውዑ ኣይትኽእሉን ተባሂልና።ክልተ ሕጋዊ ፓርትታት፣ቦርድ ምርጫ ዝሓቶ መዐቀኒ ዘማልኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት፣ብሓንሳብ ኣኼባ ክትፅውዑ ኣይትኽእሉን ብዝብል ተኸልኪልና ኣለና።”

ህዝባዊ ኣኼባ ይኹን ካልኦት ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳብ ዝፍቀደሎም ፃዕሮም ከምዝቕፅል ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ይገልፁ።ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ መብርሂ ንምሃብ ቃል ምእታውን ዝገለፀ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ እስክንድር ፍሬው እቶም ፓርታት ደብዳቢኦም ከዐሪዩ ጥራሕ ከምዝተሓተቱ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት እቲ ምምሕዳር ገሊፆምለይ ኣለው ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG