ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢኣድን ሰማያዊ ፓርትን ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2010 ሰላማዊ ቃልሶም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጦም


ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ፓርቲታት መኢኣድን ሰማያዊ ፓርትን ይዛዘም ዘሎ ዓመተ 2009 ኣፀጋሚ ነይሩ ክብሉ ብምግላጽ ኣብ 2010 ዓ.ም ለውጢ ንምምፃእ ሰላማዊ ቓልሶም ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ እታ ሃገር ን10 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝነበረት ብምኳና ኢህወዴግ ዘይተዓወተሉ እዋን ነይሩ ድሕሪ ምባል ከምዚ ኢሎም።

“እታ ሃገር ኢዳን እግራን ዝተኣስረትሉ እዋን እዩ ነይሩ።እዚ ንዓና ናይ ሓዘን እዋን ኣንፀላልዩ ዝነበረሉ ብዙሓት ሰባት ዝተቐትልሉ፣ምስ ህፁፅ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰረ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ዝተአስርሉ ፈቐዶኡ ዝተቐጥቀጥሉን ስለዝነበረ ንዓና ናይ ሰቐቐን ዓመት ኮይና እዩ ሓሊፉ።”


ጸገማት ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ፓርትታት ነዚ ንምቕያር ሰላማዊ ቓልሶም ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰማያዊ ፓርቲ ድማ ብርግፀኝነት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ስምዒት ናይ ኣዲስ ኣበባ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ክንዕወት ኢና ኢሎም ።


ሰማያዊን መኢኣድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2010 ዓ.ም ኣብዝካየድ ምርጫ ብዙሕ ንምስራሕ ከምዝተለሙ ገሊፆም ኣለው።

እቶም ፓርትታት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተኸታተለ እስንክድር ፍሬው ካብ ናይ ሓድሽ ዓመት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ሓደ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ ምርጫ ምዃኑ ምግላጾም ፀብፂቡ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያዊያን ሓድሽ ዓመት 2010 ዝመጽእ ሰሙን ከዝኽበር ይፍልጥ።

XS
SM
MD
LG