ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ: ዓለምለኸ ጉባኤ ክፅዋዕ ሓቲቶም


ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብዘላ ዝበልዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትወፅእ ዓለምለኸ ጉባኤ ክፅዋዕ ሓቲቶም።ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን ሰማያዊ ፓርቲን ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ብቕልጡፍ ክልዓል እውን ሓቲቶም።

ክልቲኦም ውድባት ሎሚ ኣብዝፀውዕዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሓቶ ዘሎ ለውጢ ስርዓት እምበር ፅገናዊ ለውጢ ኣይኮነን፤ምምራፅ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ተሪፉ ኣብ ክንድኡ ኣብ ወፃኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት፣ስቪክ ማሕበረሰባትን ጉዳይ ናይዛ ሃገር የግድሰኒ እዩ ዝብሉ ኢትዮጵያዊያን ዝሓቖፈ መድረኽ ክፅዋዕ ኣለዎ ኢሎም።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ተደጋጋሚ ህፁፅ ኣዋጅ መፍትሒ ኣየምፅን ይብሉ።

“እቲ ኣዚዩ ዘሕፍር ሓንቲ ሃገር ኣብ ዓመት ክልተ ክዜ ህፁፅ ኣዋጅ ምውፃእ ማለት ካብ ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ኣይመስለንን።ቁጠባ ይደቅቕ፣ፖለቲካ ይበላሸው፤ከቢድ ፀገም ክፍጠር እዩ። ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ መፍትሒ ክኸውን ይክእልን እዩ።ንህዝቢ ጎንደርን ባህርዳን መፍትሒ ኣይመፅአን፣ክሳብ ሕዚ በሮም ኣፅዮም እዮም ኮፍ ኢሎም ዘለው።ሕዚ እውን ንኢህወዴ ንዛረቦ ኣለና፣ዋላ’ዃ እንተረፈደ እውን እቲ ፍታሕ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ እዩ።ህዝቢ ይሓቶ ዘሎ ናይ ስርዓት ለውጢ እዩ።”

ምኽትል ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ቀዳማይ ሚንስትር ወይ ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ምሕታቶም ስዒቡ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ምእዋጁ እቲ ስልጣን ኣዘዝቲ ሰራዊት ክሕዝዎ እዮም ዝብል ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።እዚ ድማ ነቲ ፀገም ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሎም።

ምኽትል ፕረዚደንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ እውን መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል መንግስቲ ኢህወዴግ ቅድሚ ሎሚ ዝጀመሮ ምፍታሕ እሱራት ዝተረፉ እውን ክፈትሕን ምስ ህዝቢ ክዘራረብን ኣለዎ ይብሉ።ንሶም ብምውሳኽ ህፁፅ ግዜ ምእዋጅ ንናይዛ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣይፈትሕን ኢሎም ።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ የገድሰኒ እዩ ዝብል ኩሉ ከምኡ እውን ኣህጉራውን ዓለምለኻዊን ኣካላት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓለምለኸ መድረኽ ክዳለው ንፅውዕ ይብሉ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ።

“ሃገርለኸ ፖለቲካዊ ውድባት፣ናይ ስቪክ ማሕበራት ካልኦት ሓይልታትን ዝኾነ ይኹን ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ወይ ብሃገረለኸ ብርኪ ናይዛ ሃገር ጉዳይ የገድሰኒ እዩ ዝብል ኣካል ዝዘራረበሉ ዓለምለኸ ጉባኤ ክፅዋዕ ኢና ንደልይ።ነዚ ክንሓትት ከለና ምትእትታው ጣልቃ ሳልሳይ ወገን ኣትዩ ኣብ ናይታ ሃገር ልኡላውነት ጣልቃ ዝኣትው ሓይሊ ይሃልው እናበልና ኣይኮናን።”

እቲ መግለፂ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብዚ እዋን ካብ ውልቀ መላኺ ይወርዶ ኣሎ ዝበሉዎ ግፍዒ መራሕቲ ሃይማኖት ስቕታ ምምራፆም ዘተዓዛዝብ እዩ ክብል ይወቅስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG