ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት ዓለም ብዙሕ ኣፍልጦ የብሎምን ተባሂሉ


ኣብ ዓለም ናብ 43 ሚሊዮን ዝፅግዑ ስደተኛታት ወይ’ውን ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለው።

ዋላ’ዃ ብሰንኪ ዓሌታዊ ጎንፅታት፡ዶባዊ ምስሕሓባት፡ዅናትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ሚሊዮናት ሰባት ካብ መንበሪ ገዛውቶምን ሃገሮምን እንተተመዛበሉ’ውን ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ብዛዕባ ዕፃ እቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣፍልጦ የብሎምን።ብመሰረት ሓዱሽ ዝተኻየደ መፅናዕቲ 42 ሚእታዊ ኣሜሪካዊያን ጥራሕ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣፍልጦ ኣለዎም።ካብኦም ድማ 38 ሚእታዊ ጥራሕ ንዕኦም ንምሕጋዝ ወፈያ ይገብሩ።

መዓዝ ከምእትምለስ ከይፈለጥኻ፡ክትምለስ ምዃንኻ’ውን ርግፀኛ ከይኾንካ እሞድማ ንኣዋርሕ ወይ’ውን ንዓመታት ኣብ ፎቕዶ መፅለሊ ስደተኛታት ምንባር ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝውቱር እዩ።

ኣፍጋኒስታናዊ ኣሜሪካዊ ኻሊድ ሖሴይኒ ደራሲ ክልተ ዉሩያት መፃሕፍቲ እዮም።ወዲ 11 ዓመት እናሃለው ሕብረት ሶቪየት ንኣፍሃኒስታን ወሪራታ።ቤተሰቦም ሃገሮም ገዲፎም ናብ ፈረንሳይ ሃዲሞም።ፀኒሖም ድማ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ፖለቲካዊ ዕቑባ ተዋሂቡዎም።

ሖሴይኒ ኣብ ዓለም ናብ 43 ሚሊዮን ዝፅግዑ ስደተኛታት ወይ’ውን ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዘለው ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG