ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ወፍሪ ደም ምልጋስ ኣካይዶም


ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ደም ንህዝብና ዓወት ንጋንታና ብዝብል መራሒ ቃል ተሰንዮም ወፍሪ ደም ምልጋስ ኣካይዶም፡፡

እዞም ደገፍቲ ጋንታ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተፈላለዩ ንጥፈታት እናተዋስኡ እዮም ዝርከቡ፡፡ ምስ ኣቦ መንበር ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ መምህር ኣታክልቲ ሃይለስላሰ ዕላማ እቲ ወፍሪ ምልጋስ ደም እንትገልፁ “ዕላማ ደገፍቲ ጋንትኦም ዓወት ክትጓናፀፍ እዩ፡፡ ደገፍትና ፍልፍል እቶት ፋይናንስ ክኮኑ ንጋንታና ብሞራል ንዓወት ከብቅዕዋ፡፡ ሕብረተሰብና ኣብ ስፐርት ዘለዎ ኣረዳድኣ ክዓቢ ደገፍትና ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ስራሕ ምስራሕ ቅድም ኢሎም እዮም ጀሚሮሙዎ፡፡ ኣብ ምልባስ ሓምለዋይ ከባቢ ተክሊ ብምትካል፤ ኣብ በዓል ልደት ንፅጉማት ወገናትና ብዘለና ዓቅሚ ክድገፉ ገይርና ኢና፡፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ናይ ሕፅረት ናይ ደም ንምቅላል ብርክት ዝበለ ደጋፋይና ኣብዚ ቁዱስ ስራሕ ንኽኸትት ኣብ ኣርባዕተ ቦታትት መለገሲ ደም ኣዳሊናሉ ኣለና፡፡ ኣብ ኣደባባይ ሮማናት፣ኣብ እስተድዮም ትግራይ፣ኣብ ከተማ ኵሓን ከም መሓለውታ ወይ መጠባበቂ ድማ ኣብ ሰርከስ ትግራይ ከባቢ ኣዳሊና ኣለና፡፡”

ምሉ እ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ወፍሪ ደም ምልጋስ ኣካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:20 0:00

XS
SM
MD
LG