ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣቐዲሙ ብዘይተገለፀ መገሻ ሎሚ ረቡዕ 6 መስከረም 2023 ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ብምብጻሕ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ዲሚትሮ ኩለባ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።
ዕላማ ጉዕዞ ብሊንከን ሰለስተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ ፀረ መጥቓዕቲ ዩክሬን ንምግምጋምን ኣመሪካ ድሕሪ19 ኣዋርሕ ንሓይልታት ሩስያ ንምውፃእ ንእትግበሮም ፃዕርታትን ንኪየቭ እትህቦ ሓገዝ ቀፃሊ ምዃኑ ንምርኣይን እዩ። ገለ ምዕራባዊያን መሻርኽቲ ኣብ ሓፈሻዊ ቅልጣፈ ናይቲ ፃዕሪ ስኽፍታታት ከምዘለዎም ሰበስልጣን ኣመሪካ ይገልፁ።
ብሊንከን"ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብዚ ዝተረኸብኩሉ ዩክሬን ንዘጋጠማ ወራር ንምግጣም ኣብ እተካይዶ ፃዕሪ ቀፃሊ ሓገዝናን ቆራፅ ደገፍናን ንምርግጋፅ እዩ። ኣብቲ ፀረ መጥቓዕቲ ፅቡቕ ገስጋስ ሪኢና ኣለና። ዩክሬን ዘድልያ ነገራት ከም እትረክብ ክነረጋግፅ ንደሊ ኢና’’ ኢሎም።
መገሻ ቢሊንከን ካብ 175 ሚሊዮን ዶላር ክሳብ 200 ሚሊዮን ዶላር ሓዱሽ ወታሃደራዊ ሓገዝ ምእዋጅ ከጠቓልል ትፅቢት ይግበር። ካልእ ዝዓበየ ጥማር ወታሃደራዊ ሓገዝ እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ወግዓዊ ክኽወን ትፅቢት ይግበር።
ቅጥዒ