ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመሪካን ቻይናን ርክባተን ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክሕዝኦ ግቡእ ኣለወን ክብሉ ሎሚ ሶኑይ ተዛሪቦም። ንሶም ፍልልያት ናብ ግጭት ከየምርሑ ዝበለፀ መገዲ ቀጥታዊ ፅምዶ ምክያድ ምርግጋፅ እዩ ክብሉ ኣብ ቤጂንግ ንመራሕቲ ቻይና ተዛሪቦምዎም ኣለው።

ብሊንከን ምስ ናይ ቻይና ፕረዚደንት ዢ ጂፒያንግ ኣብ ቤይጄንግ ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ዑደቶም ድሕሪ ምርኻቦም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም ኣለው። ዕላማ መገሽኦም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተረጋገአ ርክብ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ጂፒያንግ ቅድሚ ምርኻቦም ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተዘራሪቦም። እቲ ዝርርብ "ቅኑዕን ውፅኢታውን’’ ነይሩ ክብሉ'ውን ገሊጾምዎ ኣለው።

ብሊንከን ካብ 2018 ናብ ቻይና ዝገሹ ፈላማይ ሚንስተርጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ እዮም። እቲ ናይ ሎሚ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቶም ናይ ቻይና ናይ ስለያ ፍሕኛ (ባሉን) ኣብ ለካቲት ኣብ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ምስ ተራእየት ተናዊሑ ዝፀንሐ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG