ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ፕረ. ብራዚል ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ሲልቫ
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ሲልቫ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ብራዚል ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሉላ ሲልቫ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ። ዑደት ብሊንከን ናብ ዋዕላ ጉጅለ-20 ዝቐንዐ`ኳ እንተኾነ፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ልዊዝ ሉላ ሲልቫ፡ ነታ መሓዛ ዋሺንግተን ዝኾነት እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ወፍሪ ምስ`ቲ ኣይሁድ ዝጸነትሉ ታሪኽ ሆለከስት ብምውድዳሩ፡ ምስ ዋሺንግተን ዲፕሎማሲያዊ ምሕርፋፍ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን'ዩ።

ብሊንከን ጉዕዝኡ ብከተማ ብራስልያ ጀሚሩ ናብ ሪዮ ዲ ጀነሮ ክቕጽል`ዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ኣርጀንቲና ክእለ`ዩ- ምስ ብምቕናዕ ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ጃቪየር ሚለይ ክራኸብ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ'ሎ።

ብሊንከን ካብቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ መገሻታቱ ኣዕሪፉ ናብ ላቲን ኣመሪካ ገጹ እንተገሸ`ኳ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደድሕሪኡ ከይሰዓቦ ኣይተረፈን።

ወዲ 78-ዓመት ጸጋማዊ ሉላ ሲልቫ ኣብ ኢትዮጵያ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘይኮነስ ምጽናት ዓሌት`ዩ ክብል ገሊጽዎ ኔሩ። “ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝካየድ ዘሎ ኣብ ታሪኽ ዘይተራእየ ነገር`ዩ፡ ተራእዩ ኔሩ እንተኾይኑ ድማ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ክቐትል ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ጥራይ`ዩ" ኢሉ።

እዚ ኣበሃህላ`ዚ ትማሊ ሰሉስ ካብ ፕረዚደንትታት ንእስራኤል ካብ ዝነቕፋ ክልተ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ኮሎምቢያን ቦሊቪያን ድጋፍ ረኺብሉ`ዩ። ። እቲ ምስ ሆሎከስት ዝተገብረ ምውድዳር ንእስራኤል ኣቖጢዕዋ`ሎ- ንሉላ ድማ `ፐርሶና ናን ግራታ` ኣዊጃትሉ ማለት ናብ እስራኤል ከይኣቱ ዝኽልክል መምርሒ'ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር በንያሚን ነተንያሁ ድማ ፕረዚደንት ብራዚል ‘ቀይሕ መስመር ሓሊፉ” ኢልዎ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ብዛዕባ`ቲ ፕረዚደንት ብራዚል ዝበሎ ርእይቶ ተሓቲቱ ክምልሽ ከሎ ፡ “ምስቲ ርእይትኡ ኣይንሰማማዕን ኢና፡ ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ድሕሪ`ዚ እቲ ውጥሪ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ እስራኤልን ብራዚልን ሓንቲ ናይታ ሓንቲ ኣምበሳደራት ጸዊዐን ኣዘራሪበን ኣለዋ፡ ብራዚል ድማ ንኣምባሳደራ ንምኽክር ብዝብል ናብ ዓዱ ክምለስ ጸዊዓቶ`ላ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኻትዝ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ ፕረዚደንት ሉላ ንኩነታት ወሽመጥ ቓዛ ምስ ሆሎኮስት ምውድዳሩ ተወጃቢርዎ`ዩ ክብል ከሎ፡ ብራዚላዊ መሓዝኡ ድማ “ሓሳዊ” ክብል መሊስሉ።

እዚ ንዋሺንግተን ዘይምችእ ርእይቶ ፕረዚደንት ሉላ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ ብራዚልን ኣመሪካን ሓዲሽ ምሕዝነት ንምህናጽ ተስፋ ኣብ ዝተነብረሉ እዋን`ዩ። ምምሕዳር ባይደን ምስቲ ቅድሚ ሉላ ፕረዚደንት ብራዚል ዝነበረ ሰዓቢ የማናዊ ክንፊን ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕን ዝኾነ ጃየር ቦልሶናሮ ድሩት ዝምድና`ዩ ኔርዎ።

ፕረዚደንት ሉላ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋሺንግተን ብምምጻእ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ለውጢ ክሊማ፡ መሰል ሰራሕተኛታትን፡ ደሞክራሲያዊ ክብርታትን ሓባራዊ ባይታ እንተፈጠሩ`ኳ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ግን ድሮ ክፈላለዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ኵናት ዩክሬን`ውን እንተኾነ፡ ሓላፍነት ክወስዳሉ ዝግባእ፡ ሩስያ ጥራይ ዘይኮነትስ እንተላይ ዩክሬን ባዕላን ምዕራባውያን ደገፍታን`የን ኢሉ ኔሩ`ዩ።

ኣብቲ ኣብ ሪኦ ዲ ጀነሮ ዝካየድ ዋዕላ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጉጅለ-20፡ ብሊንከን ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ድሕሪ ኩናት ዩክሬን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክቕመጡ`ዮም። ብሊንከን ድሕሪ`ቲ ዋዕላ ምስቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ስልጣን ዝሓዘ ፕረዚደንት ሚለይ ንምርኻብ ናብ ኣርጀንቲና ክቕጽል`ዩ። ፕረዚደንት ሚለይ ግን ሓያል ደጋፊ እስራኤል`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG