ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቶም ዛዚሞም፡ ውጽኢት ግን ኣይከምትጽቢት ዝተገብረሉን


ጎንጺ ማእከላይ ምብራቕ ንምህዳእ ብዝብል ዕላማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ብናይ ቱርኪ ዑደቶም ዛዚሞም ኣለዉ። እንተዀነ ኣብዚ ኣዝዩ ጽዑቕ ርክባት ዝወሰደ ዑደት፡ ምስቶም ዝተራኸቡዎም ሰብ-መዚ በበይነን ሃገራት ኣብ ውሑድ መሰማምዒ ነጥቢ ምብጻሖም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።

ሎሚ ሰኑይ 6 ሕዳር 2023፡ ብኣንካራ ቱርኪ ዑደቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ ብሊንከን፡ ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት ጥራይ ናብ እስራኤል፡ ዮርዳኖስ፡ ምዕራባዊ ገማግም፡ ስይፕረስብ ዒራቕን በጺሖም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ኣንካራ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ “ግድን ኣብ ኩሉ እኳ እንተ ዘይተሰማማምዕና፡ ኣብ ዘረዳድእ ነጥብታት ግን በጺሕና ኣሎና፡” ኢሎም።

ዑደት ብሊንከ፡ እስራኤል ንቓዛ ብኹሉ መኣዝናት ከቢባ፡ ኣጋር ሰራዊት ድማ ሎሚ ክትኣቱ ንውሽጢ ክደፍእ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ዛጊት እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር፡ ልዕሊ 9,700 ፍልስጤማውያን ምሟቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብ ፈለማ ናይቲ ብሓማስ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድማ 1,400 እስራኤላውያን ምቕታሎም ይዝከር።

ብሊንከን ኣብ መግለጺኦም ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምውጻእ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ንሰብኣዊ ሓገዝ ንውሽጢ ቓዛ ንምብጻሕ ድማ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ከተዝሕሎ ኣመሪካ ክትምሕጸን ጸኒሓን ኣላን።

ብሊንከን ቱርኪ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር እምበር ምስቲ ኣንጻር በንያሚን ናታንያሁ ተሪር መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርደዋን ኣይተራኸቡን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝዀኑ ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ተሰለፍቲ ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤል ዝገበሮ ዘሎ ሓገዝ ደው የብል ብዝብል ቴማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

እቶም መብዛትኦም ባንዴራ ፍልስጤም ሒዞም ዝነበሩ ተሰለፍቲ፡ ናብቲ ናብ ዋይት-ሃውስ ዝወስድ ጽርግያ ፐንሲልቫንያ ኣቨንዩ ኣብ ዘካየዱዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ መጥቃዕቲ ቓዛን ሲቪላዊ ዓላማታት ምህራምን ደው ክብል ዝሓትት ጭርሖታት ሒዞም ይርኣዩ ነይሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG