ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ዘካይዶ ዑደት ይዛዝም


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መንጎልያ
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መንጎልያ

ን10 መዓልታት ኣብ ኣህጉር ኤስያ ዑደት ከካይድ ዝቐነየ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ መንጎሊያ ድሕሪ ምብጻሕ ኣብቲ ኣህጉር ዝጸንሐ ዑደቱ ይዛዝም።

መንጎሊያ ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን እትርከብ ሃገር ብምዃና ኣገዳስነታ ዕዙዝ ይገብሮ።

ብሊከን ኣብዚ ንደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ጃፓንን ዝሓወሰ ዑደቱ፡ ንፖሊስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ከቕድምን ኣብቲ ከባቢ ንዝርአ ጽልዋ ቻይና ንምትዕርራይን’ዩ።

ብሊንከን ብዛዕባ ምስ ቻይና ዘለዎም ፍልልይን ልፍቲን’ውን ምስ ቻይናዊ መዛንኡ ኣብ ቬትናም ዘትዩ’ዩ።

መንጎሊያ ኣስታት 3.4 ሚልዮን ህዝቢ ዝነበረላ ንእሽቶ ሃገር’ያ። እንተዀነ ምስታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሃገራዊ ምርጫ ዘካየደት ሃገር፡ ዋሽንግተን ስትረተጃዊ ጽምጾ ንምግባር መዲባ ከም እትሰርሕ ትገልጽ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG