ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ጋዜጠኛታት ዓለም ኣብ ከበባ'ዮም" ብሊንከን


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዎል ስትሪት ጆርናል ኢቫን ገርሽኮቪች ኣቓልቦ ክስሕብ ብምግባር ዘኺሮምዎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ናጽነት ፕረስ ኣብ ዙሪያ ዓለም መጥቓዕቲ ይገጥሞ ኣሎ ኣብ ዝብል ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም ኣለው። ብሊንከን መርኣያ ናይዚ ብምጥቓስ ከምዚ ኢሎም።

"ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይኽበቡ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና። ብዝተፈላለዩ መገድታት እዮም ዝኽበቡ ዘለው። ስርሑ ብምዕያዩ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኣሰረን ዝተዳጎነን ጋዜጠኛ ዎል ስትሪት ጆርናል ኢቫን ኣዚዩ ብዝሓየለ መልክዑ ተራእዩ ኣሎ። ናፃ ክወፅእን ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍታሕን ምስ ሩሲያ ብዕቱብ ኣብ ጽምዶ ንርከብ።"

ጋዜጠኛ ዎል ስትሪት ጆርናል ኢቫን ገርሽኮቪች ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞስኮ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዋሕስ ተኸልኪሉ ኣሎ። ዓለምለኸ ኩነኔ ዝስሓበ ሰላይ ብዝብል ክሲ እዩ ተኣሲሩ። ብሊንከን ሩሲያ ንፖለቲካዊ መሳርሒ ንሰባት ብዘይሰርሕዎ ጌጋ ትኣስር እያ ኢሎም ።

ኣብዚ ትማሊ ረቡዕ ብጋዜጣ ዘ ዋሽንግተን ፖስት ዝተዳለወ ኣጋጣሚ ኣብ ብሪጣንያ ተኣሲሩ ዝርከብን ኣብ ኣመሪካ ብስለያ ዝተኸሰሰን መስራቲ ዊኪሊክስ ጁሊያን ኣሳንጅ ንክፍታሕ ብምፅዋዕ ብሊንከን ክዛረቡ ከለው ክልተ ግዜ ብተቛውሞ ዘረብኦም ተቛሪፁ ነይሩ። እቲ ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ መራሒ ናይቲ መድረኽ ዴቪድ ኢግናቲየስ "ንናጽነት ፕረስ ንምኽባር ኣብዚ መጺእና ብግብሪ ኸአ ተሞኪርናዮ’’ ኢሉ ክምልስ ገይሩዎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብዛዕባ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ተዛሪቦም።

"መፈራርሕታትን መጥቓዕታትን ደው ኣብል። ምቕያድን ምእሳርን ስርሖም ንዝፍፅሙ ጋዜጠኛታት ደው ኣብል። ሓሶትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ደው ኣብል። ንሓቅን ሓቂ ንዝዛረቡን ዒላማ ምግባር ደው ኣብል።"

ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ንናጽነት ፕረስ ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ኣብ ዓለም ደረጃ ናጽነት ፕረስ 180 ሃገራትን ግዝኣታትን ዝትንትን ናይ 2023 ፀብፃብ ትማሊ ረቡዕ ኣውፂኡ። እቲ ፀብፃብ ኣብ 31 ሃገራት "ኣዚዩ ዘተሓሳስብ’’ ፣ ኣብ 42 ሃገራት "ኣፀጋሚ’’፣ ኣብ 55 "ፀገም ዘለዎ’’ ኣብ 52 ሃገራት ድማ "ፅቡቕ" ወይ "ኣዕጋቢ’’ ክብል ተርታ ኣውፂኡ ኣሎ።

ኖርወይ ብናጽነት ፕረስ ብቐዳምነት ኣዝያ ዝሓሸት ሃገር ኮይና ኣላ። ኣመሪካ ኣብ መበል 45 ተርታ ክትኸውን ከላ ሩሲያ ድማ መበል 164 ተሰሪዓ ኣላ። ቻይና ካብ መወዳእታ ካልአይቲ ብምዃን መበል 179 ደረጃ ክትሕዝ ከላ ኣብቲ ተርታ ናይ መወዳእታ ጫፍ ድማ ሰሜን ኮሪያ ተሰሪዓ ኣላ።

XS
SM
MD
LG