ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን፡ ንምቛም ሃገረ ፍልስጤም ዘለዎ ድጋፍ ይደግም


ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ኣብ መድረኽ ቍጠባ ዓለም ዝሳተፍ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ “ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ከይተሰርሐ እስራኤል ሰላም ክትረክብ ኣይከኣልን’ዩ፡” ኢሉ።

ብሊንከን ወሲኹ፡ ድሕሪ ምቛም ሃገረ ፍልስጤም፡ ንእስራኤል ዝሓወሰ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብሰላምን ምርግጋእን ክነብር ተኽእሎ ኣለዎ፡” ኢሉ። ከም ኣገልግላጻ እቲ ኣመሪካዊ በዓልመዚ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ዘይምርግጋእ ክትፈጥር እትኽእል ኢራን’ያ።

እንተዀነ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ንእስራኤል ኣካል ማእከላይ ምብራቕ ገይሩ ክርእያ ዝደሊ ዓረባዊን እስላማዊን ወገን ከቢድ ምዃኑ ብሊከን ይጠቅስ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ተመሳሳሊ ዋዕላ፡ ሃገሩ ንእስራኤል ዝሓቘፈ ዘተ-ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ኣመልኪቱ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ሚኒስተር፡ “እዚ ግን ንፍልስጤማውያን ናብ መንገዲ ሰላም ምስ ዝመርሕን ንሃገረ ፍልስጤም ዘሳትፍን ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ፡” ክብል ኣስዒቡ ሓቢሩ።

ብቐዳማይ ሚንስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ መንግስቲ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ግን ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ደጋጊሙ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG