ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣኼባ ኔቶ ናብ ኦስሎ ዘምርሑ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ናይ ኖርወይ መዘነኦም ተዘራሪቦም


Belgium NATO
Belgium NATO

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ጎኒ አኼባ ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ (ኔቶ) ምስ ኖርዌያዊ መዘነኦም ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

ብሊንከን ንጉዳይ ዩክሬን ኣማእኪሉ ሎሚን ጽባሕን ኣብ ብራስልስ ይሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ኔቶ ይሳተፉ ኣለው። ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ሃገራት ኔቶ ካብ ማሕበር ሰላምን ጸጥታን ኣውሮጳ ድማ ኣብ ሰሜናዊት መቄዶንያ ኣብ ኣኼባ የካይዱ ኣለው።

ብመሰረት ቤት ዕዮሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣንተኒ ብሊንከን፣ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ከምዘቅንዑን፣ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ እስራኤልን ሓማስን ንክናዋሕን ተወሰኽቲ ጭዉያት ንክልቀቁን ከምዝዓዩን ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG