ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ምፍራም ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ሎሚ ሓሙስ 2 ሕዳር 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ኣብቲ ደማዊ ኲናት ህይወቶም ዝሓለፉ ዜጋታት ትዝክርን እቲ ጎንጺ ብምዕራፉ ዘለዋ ድጋፍ ትገልጽን፡” ኢሉ።
ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፡ ዛጊት ተገይሩ ንዘሎ ምዕባለታት ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ። ካብቶም ዝተጠቕሱ ምዕባለታት ድማ ምቛም ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ተዋጋእቲ፡ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ተብግሶታት ንፍትሒን ይርከቡዎም። እንተዀነ ተሪፎም ኣለዉ ዝበሎም ነጥብታት ድማ ብሳልሳይ ኣካል ዝተረጋገጸ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያን ምፍጻም ግፍዒታትን ደብ ክብሉ ዝብሉ’ዮም። ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሓድሕድ ከኽብሩ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።
ካብ መንጎ’ቶም ኣሰከፍቲ ጉዳያት ኢሉ ብሊንከን ዝጠቐሶም፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራን ግፍዕታትን ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ምግፋሕ እቲ ግጭታት ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ይርከቡዎም። ምስኡ ኣስዒቡ ድማ ንዅሉ ኣካላት ዘካተተ ዝርርብን መስርሕ ተሓታትነትን ክግበር ጸዊዑ።
ብሊንከን ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሪካ ንምሉእ ትግባረ እቲ ስምምዕ ምሉእ ሓገዝ ከም እትገብር ድሕሪ ምግላጽ፡ ንብልጽግቲን ሰላም ዝሰፈናን ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣራ መንግስቶም ኣብ ጎድኒ ምህላዉ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብቲ ቅድም ብትዊተር ሕጂ ድማ ኤክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘሰፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን ንኤርትራ ምውቃዕ ከም ቀሊል ዕላማ’ዮም ዝርእዩዎ። ሎሚ ብምኽንያት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወጽእ ዘሎ ብግቡእ መጽናዕቲን መረዳእታን ዘይተደገፈ ጠቐነታት ድማ ሓደ ኣብነት’ዩ፡” ኢሉ። እቲ ሚኒስተር ወሲኹ “እቲ ተግባራት ኣካል’ቲ ንኤርትራ ንምጽላም ዝግበር ወፋራ’ዩ፡” ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ “ከፋቲ በሪ’ዩ” ብምባል ኣስፊሩ። ወሲኹ ድማ ሓያሎ ኣካላት ናይቲ ስምምዕ ገና ኣይተተግበረን ብምባል ንምሉእነት እቲ ውዕል ፈደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ንኽዋጻእ ብምጽዋዕ፡ “ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈፀመ ስምምዕ ከም ምዃኑ መጠን ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ ኣፈፃፅማ ዘለዉ ዓንቀፍቀፋት ኣብ ምእላይን መንባብሮ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ሕጋውን ሞርላዉን ግቡኡ ንኽፍፅም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ፡” ኢሉ።
ቅጥዒ