ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ምምሕዳር ፍልስጤምን ድሕሪ ቓዛ ንዘሎ ተኽእሎታት ይዘራረባ


ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙስ ዓባስ ተራኺቦም።ተዘራሪቦም
ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙስ ዓባስ ተራኺቦም።ተዘራሪቦም

ሎሚ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ራማላህ -- ምዕራባዊ ገማግም ዝተራኸበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ ድሕሪ ቅልውላው ቓዛ ዝህሉ ምምሕዳር ፍልስጤም ምዝርራቦም ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዳግመ-ሕውየት ቓዛ ንምስታፍ፡ ሓገዝቲ ኣካላት ከም ዘውሓሰ ዝገለጸ ብሊንከን፡ “ንምስረታ ሃገር ፍልስጤም ዘረጋግጽ መንገዲ እንተተፈጢሩ፡ ንቡር ዝምድና እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ክዉን ክኸውን’ዩ፡” ኢሉ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጭቡጥ ጉዳያት ምዝርራቦም ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ቀንዲ ማሕንቖ ክኸውን ዝኽእል ግን መርገጺ’ቲ ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ዝቃወም መንግስቲ እስራኤል ምዃኑ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንራብዓይ ጊዜ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝጓዓዝ ዘሎ ብሊንከን፡ ኣቐዲሙ ምስ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱርኪን ተዘራሪቡ’ዩ። ኵላቶም ኣብ ዳግመ-ህንጸት ፍልስጤም ክሰርሑ ምስምማዖም’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ካብ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ፡ 85% ኣቢሎም ካብ መንበሪታቶም ምህዳሞምን ኣስታት ሓደ ርብዒ ድማ ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ከም ዝርከቡን ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG