ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ናይ ብሪጣንያን ዩክሬንን መዘናታቱ ኣብ ለንደን ተራኺቡ ተዘራሪቡ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ሰሉስ ናብ ለንደን ተጓዒዙ`ሎ፡ኣብኡ ምስ ናይ ብሪጣንያን ዩክሬንን መዘነታቱ ክራኸብ`ዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ለንደን ንዩክሬን ዝኸውን ኣህጉራዊ ሓገዝ ንምትሕብባር ዝዓለመ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ`ዩ። ነቲ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ዝግበር ጉባኤ ዘዳለውኦ ብሪጣንያን ዩክሬንን`የን።

ከም ኣካል ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ብሊንከንን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርልን ንሓደ ኣብ ለንደን ዝርከብ ንስደተኛታት ዩክሬን ንምሕጋዝ ዝቖመ ማእከል በጺሖም ኔሮም።

ብሊንከን ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲምትሮ ኩለባ`ውን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ለንደን ተራኺቡ ብዛዕባ ወራር ሩስያን ምሕጋዝ ዩክሬንን ክዘራረብ`ዩ። ትማሊ ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱነክ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎደሚር ዘሊንስኪ ብተለፎን ተዘራሪቡ ኔሩ። ብሪጣንያ ድሕሪ ኣመሪካ ንዩክሬን ንምሕጋዝ ዝዓበየ ድጋፍ ትገብር ሃገር`ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG